back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ ይቕሬታ ሓቲቱ 

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ፡ ነቲ ትማሊ 30 መጋቢት ዝበሎ ንምብራህ ኣብ ሰዓታት ንግሆ 31 መጋቢት፡ ኣብ ኢቲቪ ቀሪቡ “ኣነን መንግስተይን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ልእላውነተን ኤርትራ ዓቢ ክብሪ ኣለና። ነቲ ትማሊ ዝበልክዎ፡ ካብቲ ቀንዲ ሕመረት መልእኽተይ ወጻኢ ብምጥዛዝ፡ ዘይግቡእ መልእኽቲ ከምዝማሓላለፍ ዘገብሩ ሓደ ሓደ ሜድያታት ዳኣ እምበር መልእኽተይ ከምኡ ኣይነበረን” ክብል ሓቢሩ እኳ እንተ ነብረ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ውልቃዊ መርበብ ድሕረ-ገጽ ፈይስቡኩ፡ ” ነቲ ዝተፈጥረ ምድንጋር ይቅሬ ይሓትት” ክብል ገሊጹ። 

እንተኾነ ብዙሓት ኤርትራውያን ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ እዚ ሂብዎ ዘሎ መግለጺ እኹል ኣይኮነን፡ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ትማሊ 30 መጋቢት ዝበሎ ዝመጣጠን ይቕሬታ ኣይኮነን ክብሉ ቁጠዖም ይገልጹ ኣለዉ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ፡ ኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ፡ ትማሊ 30 መጋቢት፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፡ “ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለዩላ ዕለት፡ ኣየኽብርዋንዮም። ኣይፈትዉዋን ‘ውን እዮም። ነዚ ድማ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ብግልጺ ይዛረቡሉዮም” ዝበሎ ኣብ ኤርትራውያን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። 

Iኣምበሳድር ዲና ሙፍቲ ካበይ ተበጊሱ ከምኡ ከምዝበለ ኡኳ ንጹር ተዘይኮነ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ግን ብመገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ቁጠዐኦም እገልጹ ኣለዉ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles