back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ጅግና ከሲርና፡ ዘሕዝን ፍጻመ

ዓርቢ መጋቢት 26 ሓዚነ ውዒለ። ናይ ብሓቂ ንዓይ ጥራይ ዘይኮነ ንመብዛሕትኦም ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ፈለጥቱን ናይ ሓዘን መዓልቲ’ዩ ኔሩ። ጅግና ከሲርና፥ ተሓላቒ ነጻነት ፕረስ። ፍትሒ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ጋዜጣ ዝመስረተ፥ ሓሳቡ ክገልጽ ድሕርሕር ዘይበለ፥ ወጽዓ ህዝቢ ክገልጽ፡ ጸገም ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትርኽ ኣበርቲዑ ዝጎየየ፥ እወ ቅድሚ ረብሕኡ ረብሓ ህዝቡ ኣቐዲሙ ንብልሹዋት መራሕቲ ዝመከተ፡ ከይዱ። ገዲፍና።

ብርግጽ ትፈልጥዎ ኢኹም። ወሓለን ተባዕን ጸሓፊ — ሚልኪያስ ምሕረትኣብ። ኣብ መበል 52 ዓመቱ ዓሪፉ። ብሰንኪ ዝሓደሮ ክሮኒካዊ ሕማም ዕድመ ንእስነቱ ተኾሊፋ።

ሚልኪያስ ምስ ኣዕሩኽቱ መድሃኔ ሃይል፡ ዮሴፍ ኣልኣዛርን ሃብትኣብ የማነን ንጋዜጣ ቀስተ-ደበና ብ24 ሕዳር 1998 ጀሚርዋ። ከም ቅናት ኣደይ ማርያም ብዝተፈላለየ ሕብርታት ዝወቀበት፡ ጋዜጥኦም ንኩሉ ገጻት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዝሓቁፍ ትሕዝቶ ክህልዋ ቀስተ-ደበና ሰምዮማ። ሚልኪያስ ከም ዋና ኣሰናዳኢ፡ መድሃኔ ድማ ከም ምክትሉ ብምዃን ንዓመታት ኣካይዶማ። ስለ’ቲ ልዑል ተዋፍይነቶም ድማ ዝርጋሐ ናይታ ጋዜጣ ካብ 5000 ናብ 20,000፡ ሕትመታ ካብ ሓንሳብ ኣብ ክልተ-ሰሙን ናብ ክልተ ግዜ ኣብ ሓደ ሰሙን ደይቡ። ክሳብ’ታ ብዓማጺ ስርዓት ህግደፍ ምስ ኩለን ናይብ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ 18 መስከረም 2001 ትዕጾ ከኣ ዝጠጅኣቶ ዕላማ ሒዛ ትጓዓዝ ኔራ።

ምስጢር ዓወት ጋዜጣ ቀስተ-ደበና፡ እቲ ዘይተነፍየ ተባዕ ኣቀራርባ ሚልኪያስ’ዩ ኔሩ። ንሓንኳል ስርዓተ-መጓዓዝያ ኣስመራ፡ ንጠገለ ኣልቦ ዋጋ ኣገልግሎት ታክሲ፡ ንሕጽረት ዕቱብ ቆላሕታ መንግስቲ ኣብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ህዝቢ ብዘይሕግብግብ ይጽሕፈሉ ኔሩ።

ኣብቲ ዝጽሕፎ ዝነበረ ርእሲ ዓንቀጻት፡ ንህዝቢ የገድሱ’ዮም ዝብሎም ጉዳያት ዘይዳህሰሶም ኣይነበረን። ሓንቲ ካብተን ብፍሉይ ዝዝክራ ንናይ ወጻኢ ዝምድናታት መንግስቲ ኤርትራ ትወቅስ ርእሲ-ዓንቀጽ’ያ። ኣርእስታ፡ “ወይ ጎቦ ኩን ወይ ድማ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ትብል።

ነቲ ረቂቕ ኣቀራርባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ማሕበረሰብ ዓለም ብምዕዛብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዲፕሎማስያዊ ስልቲ ክቕይር ጸዊዑ። መንግስቲ ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሲ ቁንቋ ክመልኽ ምስ ሓያላት ሃገራት ዓለም ዘለዎ ዝምድና ከመሓይሽ ዝጠልብ ጽሑፍ ኣቕሪቡ። ነዛ ሃገርን ህዝብን ክተድሕን እንተኮይንካ ‘ወይ ጎቦ ኩን ወይ ድማ ኣብ ጎቦ ተጸጋዕ’ ብምባል ነቲ እታ ሃገር ዝነበረቶ ንጹል ኩነታት ገሊጽዎ።

ጽሑፋቱ ምንባብ ይምስጠኒ ኔሩ። ብፍላይ ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ኣነ ክብሎ ዝደሊ ግን ክገልጾ ትብዓት ዝሓጽረኒ ነገራት፡ ከይነፈየ ብጥሪኡ ሓሳባቱ ራዕ ኣቢሉ ከቐምጦ እንከሎ፡ ባህ እንዳበለኒ የኾምስዖ ኔረ። ንኣብነት እቲ ‘ርእሰ-ምርኮሳ ወይ ነብስኻ ምኽኣል’ ዝብል ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ እዝነይ ዓቢሰ ክሓልፎ ከመርጽ እንከለኹ ሚልክያስ ግን ክዛረበሉ ድሕር ኣይበለን።

ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሚልኪያስ ዝተላለናሉ ዕለት ኣብ 1997 ኢዩ። ሌላና ብመንገዲ’ቲ ኣብ ጋዜጣይ – ጋዜጣ ሰቲት – ከም ናይ ስፖርት ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ መድሃኔ ሃየል’ዩ ዝጅምር። ብድሕሪኡ ርክብና ቀጻሊ ኔሩ።

ሚልኪያስ ሕውስ፡ ተዋዛያይን ንቑሑን ሰብ’ዩ ኔሩ። ምውዛይ ይፈቱ፡ ቁም-ነገር ምዕላል ከኣ ብዝለዓለ። ኣብ ውሽጢ ካምፓስ ይኹን ወይ ኣብ ጎደናታት ኣብ ንራኸበሉ እዋን፡ ኩሉ ግዜ ንጋዜጣይ ወይ ንዝኾነ ዝጸሓፍክዋ ኣርቲክል መጓሲ ቃላት ካብ ምቕራብ ኣይቁጠብን ኔሩ።

ሓደ ዓመት ድሕሪ ሌላና፡ ንሱን ኣዕሩኽቱን ኮይኖም ንጋዜጣ ቀስተ-ደበና ጀሚሮማ። ወግሐ-ጸብሐ ድማ፡ ብጋዜጣ ሰቲት ተበራቲዖም ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ከምዝጀመሩ የዕልለኒ ኔሩ። ኣብ ክንዲ በቲ ዝተመሃሮ ዓውደ-መጽናዕቲ ሕጊ ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ወይ ሚኒስትሪ ፍትሒ ምስራሕ፡ ድምጺ ህዝቢ ኮይኑ ሕትመት ጋዜጣ ክቕጽል ምንዮቱ ምዃኑ የዘንቱ ኔሩ።

ኣብ ህዝብን ሃገርን ዝነበሮ ፍቕሪ ግሉጽ’ዩ ኔሩ። ኣብ ጽሑፉ ተንብቦ ኣብ ዘረብኡ ትሰምዖ። ኤርትራ ብቁጠባ ማዕቢላ፡ ብቴክኖሎጂ በልጺጋ፡ ብትምህርቲ ሰሲና ክርኢ ናይ ወትሩ ባህጉ’ዩ ኔሩ። እንተኾነ፡ ኣብታ ሃገር እናንቆልቆለ ዝኸይድ ምዕባለ’ምበር እናሓደረ ዝስስን ቁጠባ ስለዘየነበረ ክጽሕፈሉ ኣይክኣለን።

ካልእ ካብቲ ብሉጽ ባህርታት ሚልኪያስ ጌግኡ ኣብ ምቕባል ዝነበሮ ፍሉይ ትሕትና’ዩ። ጌጋ እንተጌሩ፡ ጌግኡ ክእመን ድሕር ኣይብልን። ሓንቲ ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ዝምድናና ብኣሉታ ዝሓቖነቶ ፍጻመ ኔራ። ሓደ ካብቶም ብቀጻሊ ካርቱን ዘቕርቡልና ዝነበሩ ሰኣልቲ፡ ሓንቲ ንጋዜጣ ቀስተ-ደበና ትወቅስ ካርቱን ስኢሉ የምጽእ። እታ ካርቱን ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ረብሓ ኣመሪካ ንምምላእ ትሰርሕ ኣላ ዘስምዕ መልእኽቲ ኔርዋ። ዝኾነ ንትሕዝቶ ጽሑፍ ቀስተ-ደበና ኣብታ ሰሙን ዝተኸታተለ፡ እታ ካርቱን ንመን ትወቅስ ከምዘላ ንምልላይ ኣየጸግሞን’ዩ። ነታ ካርቱን ከሕትማ ሓሳብ ኣይነበረንን፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ብጌጋ ሓሊፋ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ተሓቲማ ወጺኣ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት፡ ሚልኪያስ ልዕሊ 1000 ቃላት ዝሓዘት ንዓይን መሳርሕተይን ትዝልፍ ኣርቲክል ኣብ ጋዜጥኡ ኣሕቲሙ። ዋላ’ኳ በቲ ተግባራት እንተዘይተሓጎስና፡ ነቲ ነገር ንምትህድዳእ ዘይምምላስ መሪጽና። ግን ሓንቲ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ፡ ነቲ ጉዳይ ብሕጋዊ መንገዲ ክንሕዞ ምዃና ትገልጽ ጽሒፈ ኣሕቲመያ። እንተኾነ ንሚልኪያስ ይኹን ንጋዜጥኡ ክንከስስ መደብ ኣይነበረናን።

ክልተ መዓልታት ድሕሪ’ቲ ቁርቁስ፡ ኣብታ ኣብ ከባቢ ዩኒቨርስቲ ቆጸራ እንክህልወኒ ዘዘውትራ ባር ሊድያ ክኣቱ ብማዕዶ ሪእኒ። እግሪ እግረይ ስዒቡ ኣብታ ባር ኣተወ። ቅድሚ ገጹ ምርኣየይ፡ ድምጹ ሰሚዕኩ፡ “ማስተረይ፡ ብዙሕ ይቕሬታ ግበረለይ”። ቁሊሕ እንተበልኩ ሚልኪያስ። ‘ማስተረይ’ ትብል ቃል ንኣዕሩኽቱ መጸውዒ ዝጥቀመላ ናይ ኣኽብሮት ሽመት’ያ።

“ብጣዕሚ ይቕሬታ ግበረለይ፡ መስመር ጢሕሰ። ናብቲ ካርቶኒስት ኣብ ክንዲ ዘተኩር መጥቃዕተይ ናባኻን ናብ ጋዜጣኻን ጌረዮ፡” በለ፡ ልባዊ ጣዕሳ ብዝመልኦ ቃና።
“ብዓይኒ ሓቂ ኣነ’ውን ተጋግየ’የ። ይቕሬታ ግበረለይ። ክትሕተም ዘይግብኣ ካርቱን’ያ ሞሊቓ።”
“እሞ ኣይትኸሰናን ኢኻ ማለት’ዩ?”
“ዋጋ ናይዛ ቡን እንተከፊልካ ዶ?” ክልቴና ብዓውታ ስሒቕና።

ሓደ ካብቲ ብሉጽ ባህርታቱ ከኣ ንሱ’ዩ ኔሩ። ቅኑዕ፡ ንነገራት ከምዘለውዎ ፊት ንፊት ክገጥሞ ይመርጽ ምንባሩ’ዩ። ብዘይ ዝኾነ ቂምታ ክልቴና ቁስልና ረሲዕና ብሓባር ንቕድሚት ሰጊምና።

ሚልኪያስ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ከምዚ ከማይ ንእስክላ ካብ መንጋጋ ሓርገጽ ዘምለጡ ዕድለኛታት ጋዜጠኛ’ዩ። ካብ መወዳእታ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ-ኣመሪካ ዋሽንግተን ዲሲ እናተቐመጠ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ እንከሎ ጀሚርዎ ዝነበረ ቃልሲ ኣብ ኣዝማሪኖ፡ ዓዋተን ካልኦት ወብሳይታትን ክሳብ ሕማሙ ዝዕንቅፎ ብምጽሓፍ ይቕጽሎ ኔሩ።

ብዝኾነ ምኽንያት ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበርኩ እዋን ተራኺብና ነዕልል ኔርና። ብዛዕባ’ቶም ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ጀጋኑ ጋዜጠኛታት ንዝቲ ኔርና። ብኣካል ናይ መወዳእታ ግዜ ዝተራኸብናላ ዕለት ኣብ 2012 ኢዩ። ምሉእ ምሸት፡ ነቲ ዝሓለፍናዮ ጽንኩርን ጥዑምን ግዜ፡ ነቶም ገዲፍናዮም ዝመጻእና መሳርሕቲ፡ ዝገበርዎ ኣበርክቶ፡ ዝነበሮም ሕልምን ባህግን፡ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ብዓማጺ ስርዓት ህግደፍ እንተዘይዕንቀፍ ከነጋናጽፎ ንኽእል ዝነበርና ዓወታት ጸዊናሉ።

ሓደ ብሓደ ንኩሎም መሳርሕትና ዘኪርናዮም፡ ብፍላይ ብዛዕባ’ቶም ሞይቶም ዝበሃሉ ጋዜጠኛታት – መድሃኔ ሃይለ ምክትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና፡ ማትዮስ ሃብትኣብ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ፡ ፍሉጥ ጸሓፋይን ጋዜጠኛንን ፍስሃየ የውሃንስ።

“እዚ ንሰምዖ ዘለና ዜናስ ሓቅነት ኣለዎ ዶ ትብል?” ሓቲተ።
ሽዑ ዝሃበኒ መልሲ ኣርስዖን’የ።
“ክኣምኖ ኣይደልን’የ፡” ይብል ሚልኪያስ፡ “ግን ሓቂ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብዚ ጽሩይ ኣየር እናስተንፈስና ዓሰርተ ግዜ እናሓመምናስ፡ ኣብ ኮንተይነር ንዓመታት ተዓጽዮም ድኣ ከመይ ኢልና ኢና’ሞ ብህይወት ክህልዉ ክንጽበዮም።”

ብልክዕ ሓቁ’ዩ። ሓደ ዓመት ድሕሪ’ቲ ሓደ ዘዝኸፍአ ዜና ክውሕዝ ጀሚሩ። ዮሱፍ መሓመድ ዓሊ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ጽጌናይ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል ምክትል ኣሰናዳኢ ጋዜጣ መቓልሕ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ኣድማስ ሞይቶም ዝብል ዜና በጺሕና። ናይቶም ዝተረፉ ስዩም ጸሃየ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ተመስገን ገብረየሱስን ካልኦትን ኩነታት ጥዕና ግን ንፈልጦ የብልናን።

ቀንዲ ካብ ድቃስ ዝኸልእዎ ዝነበሩ ጉዳያት እንተኔሮም፡ መሳርሕቱ ጋዜጠኛታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንክወጽኡ እቲ ክገብሮ ዝሕልን ዝነበረ ነገራት ክገብር ዘይምኽኣሉ’ዩ። ምስ ነብሱ ኣይተዓረቐን፥ ስቅያት ኣዕሩኽቱ ከም ውልቃዊ ጉዳዩ ይሓመሉ ኔሩ። ከም ኩላህና ድማ ናይ ኣእምሮ ዕረፍቲ ኣይነበሮን።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ጅግና ሕጂ ከይዱ። ግን ውርሽኡ ክነብር’ዩ። ኣበርክትኡ ኣብ ነጻነት ፕረስ ኤርትራ፡ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ግን ንዘልኣለም ክነብር’ዩ። ብሰላም ዕረፍ ዓርከይ ሚልኪያስ።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles