back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

መንእሰይ ሳምሶን የማነ ካውንስል ከተማ ሉዛን ኮይኑ ተመሪጹ

ኤርትራዊ ሳምሶን የማነ ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ከተማ ሉዛን ኣብ ዝተኸየደ ናይ ካውንስል ምርጫ ተወዳዲሩ ተዓዊቱ። በዚ መሰረት ኣባል ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ ብምኳን ኣብ ወርሒ ሓምለ ስርሑ ክጅምር እዩ።

ወዲ 28 ዓመት ሳምሶን የማነ ዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት(political science) ዘጽነዐ ኮይኑ ኣብቲ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰባት ዝተወዳደሩሉን 100 ሰባት ዝተዓወቱሉን ውድድር ብ8 ሽሕን 77 ድምጺ ብምርካብ እዩ ተዓዊቱ።  ንሰልፊ ማሕበራውነት(ሶሻሊስት) ውኪሉ ዝተወዳደረ ሳምሶን ንዝመጽእ 5 ዓመታት ኣማኻሪ ንግዲ ከተማ ሉዛን ኮይኑ ከገልግል እዩ። 

ሳምሶን የማነ ወዲ 9 ዓመት እንከሎ ኣብ 2002 ካብ ኤርትራ ምስ ስድራቤቱ ዝውጸ መንእሰይ ኮይኑ፡ ብሱዳን ሊብያን ኢጣልያን ኣቢሉ ኣብ 2006 ኣብ ስዊዘርላንድ ዝኣተወ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ምስ ሕብረተሰብ ስዊዘርላንድ ብምውህሃድ ናብዚ ደረጃ ክበጽሕ ዝኸኣለ ዕዉት መንእሰይ እዩ። 

ሳምሶን የማነ ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንኹሎም ዝመረጽዎ ከምኡ’ውን ዝተሓባበርዎ ኤርትራውያንን ስዊዘርላንዳውያንን ብምምስጋን ሕልሙ ንስለ ፍትሕን ዲሞክራስን ምቅላስ ምኳኑ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ሕልሙ ካብቶም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፎም ንናጽነት ኤርትራ ዕዉት ዝገበሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ንስለ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉ ወለዱ ዝወረሶ ምኳኑ ሓቢሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles