back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነበሩ ኤርትራውያን ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቤተሰቦም ከቢድ ሻቕሎት ከምዘለዎም ገሊጾም

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ቤተሰቦምን፡ ስድራቤቶምን ከቢድ ሻቑሎት ከምዘለዎም USA Today ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ፡ ኣብ ናይ  ሮቡዕ 24 መጋቢት ሕታማ ኣስፊራ።

እታ መርበብ ሓበሬታ ንኣብ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ንዝነብር ረድኢ ዝተባህለ ኤርትራዊ መወከሲ ብምግባር ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ፡ እዚ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ 19ን 20 ዝዕድመኦም ደቁ ኣመና ከምዝሻቀልን፡ መዓልታዊ ሎሚ ዶ ይሞቱ ደቀይ እናበለ ከምዝሻቀልን ሓቢራ።

ብዛዕብኦም ክሓስብ ሓንቲ ለይቲ’ኳ ኣይድቅስን ዝበለ ረድኢ፡ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከምዘሎ እታ መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ።

ብተወሳኺ እዚ ወዲ ሓምሳን ሰለስተን ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡  እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታታ ኣዝዩ ሕማቕ ከምዘሎን፡ ሰባት መዓልታዊ ከምዝሞቱን፡ ብመንገዲ ቶርጓሚ ሓቢሩ ክትብል ጸብጽበቶ ኣላ።  እዚ ስደተኛ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ድሃይ ደቁ ክፍለጥ እኳ እንተኸኣለ፡ ገና ከምዝሻቐል ገሊጹ ክትብል  እታ መርበብ ሓበሬታኣፍሊጣ። እዚ ጓሉን ወዱን ካብ ኢትዮጵያ ክመጽዎ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝጸበ ዘሎ ኤርትራዊ፡ ኣብቲ ከባቢ  ንሶም ዘለውዎ መዓስከር መዓልታዊ ግጭታት ከምዘጋጥም ከምዝነግርዎ እታ መርበብ ሓበሬታ፡ ንዕኡ ብምውካስ ኣፍሊጣ።

ካብ 4 ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ብዝተወለዐ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ እቶም ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተደኮና ኣርባዕተ መዓስከራት ተዓቊቦም ዝጸንሑ ልዕሊ ተስዓን ሽዱሽተን ሽሕ ኤርትራውያን ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ ይፍለጥ።  ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ገና ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ፡ ክልተ ካብተን ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ከምዝዓነዋን እቶም ኣብኡ ተዓቚቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ድማ ከምዝተበተኑን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ሰራዊት ምክልኻል ናይ’ታ ሃገር, ከካብ ዝተበንዎ ኣኪቡ ናብ መዓስከር ማይዓይኒ ክጥርንፎም ከምዝጀመረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ፡ ምንጭታት ካብ ኢትዮጵያ ምርኩስ ብምግባር ሰቲት ጸብጺባ ምንባር ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles