ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ምብጻሕ ስራሕ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብዝገበሮ ዝርርብ ምሰረት፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝተሰማምዑ ሓቢሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ህወሓት ናብ ኣስመራ ሮኬታት ድሕሪ ምድብዳባ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፡ ትግራይ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ብምሕባር፡ ፌደራላዊ ሰራዊት ንውሕሰነት ዶባት ብቀጥታ ክሕዞ ስለዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽእ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ብዙሓት ትካላትን ሃገራትን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ክጠልባን ጸቅጢ ክገብራን ምጽንሐን ዝፍለጥ ኮይኑ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን ህላወነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃበ ከምዝጸነሐ ይፍለጥ።