ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ኲናት፣ ዝተፈላለዩ ኣካልት ማሓበረ-ሰብ ዓለም ምጽራይ ክግበር ጸቕጢ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ከጻርዩ ከም ዝተሰማምዑ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓቢሩ።
እዚ መገለጺ ገለ መዓልታት ድሕሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣኽሱም ተፈጺሙ ክበሃል ዝቐነየ ገበናት ኲናት ምእማኑ|ዩ ወጽዩ።
ብገለ ወገናት ማሕበረ-ሰብ ትግራይ፣ ህላውነት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ መስርሕ ዘይሚዛናዊ ፍርዲ ክህብ እዩ ብምባል፣ ናብ ሓላፊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ስምዕታኦም ከቕርቡ ቀንዮም እዮም። እንተኾነ ሎሚ ኣብ ዝወጸ መግለጺ እዞም ክልተ ትካላት ሓቢሮም ነዚ ስራሕ ከምዘካይድዎ ብናይ ሓባራዊ መግለጺ ሎሚ ዕለት 25.03.2021 ወግዓዊ ጌሮሞ ኣለው።
እቲ መባእታዊ ስራሕ ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝጅመር ኮይኑ፣ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናት ከጻሪ ምዃኑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።