back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ክሰርሕ ተሰማሚዑ

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ገበናት ኲናት፣ ዝተፈላለዩ ኣካልት ማሓበረ-ሰብ ዓለም ምጽራይ ክግበር ጸቕጢ ክገብሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፣ ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ከጻርዩ ከም ዝተሰማምዑ ሎሚ ኣብ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ተሓቢሩ። 

እዚ መገለጺ ገለ መዓልታት ድሕሪ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣኽሱም ተፈጺሙ ክበሃል ዝቐነየ ገበናት ኲናት ምእማኑ|ዩ ወጽዩ። 

ብገለ ወገናት ማሕበረ-ሰብ ትግራይ፣ ህላውነት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ መስርሕ ዘይሚዛናዊ ፍርዲ ክህብ እዩ ብምባል፣ ናብ ሓላፊ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ ስምዕታኦም ከቕርቡ ቀንዮም እዮም። እንተኾነ ሎሚ ኣብ ዝወጸ መግለጺ እዞም ክልተ ትካላት ሓቢሮም ነዚ ስራሕ ከምዘካይድዎ ብናይ ሓባራዊ መግለጺ ሎሚ ዕለት 25.03.2021 ወግዓዊ ጌሮሞ ኣለው።  

እቲ መባእታዊ ስራሕ ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝጅመር ኮይኑ፣ ብኹሎም ወገናት ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናት ከጻሪ ምዃኑ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles