back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣቢ ኣሕመድ ኣስመራ ኣትዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ፣ ምስ መራሒ ህግደፍ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያትን ዞባዊ ምዕባለታትን ንምዝታይ ሎሚ ዕለት 25 መጋቢት 2021 ኣስመራ ኣትዩ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት: ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ኣኼባ ተወከልቲ ቤት-ምኽሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መደረ፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ከምዝኣተወን ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናት ድማ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ክዘራረበሉ ምዃኑን ሓቢሩ ኔሩ።

እዞም ክልተ መራሕቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝበጽሖም ዘሎ ክስታትን ጸቕጥን እንዳዓዘዘአ ምስ ምምጽኡ፣ ነዚ ኣጋጢሙ ዝበሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ገበናትን ህላውነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክኽሕድዎ እኳ እንተጸንሑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብወግዒ ኣሚንሉ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ርክብ እምበኣር ዝርርባት ኣብዞም ጉዳይት ዘተኮሩ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ንምጭታት ይሕብሩ።

ዶር ኣቢ ኣብዚ ናይ ክልተ መዓለቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ጉዕዞ፣ ብሚኒስተር ምህዞ ቴክኖሎጅን ዶር. ኣብረሃም በላይን ሚኒስተር ምክልኻል ዶር. ከኒኣ ያዴታን ተማእኪሉ እዩ ሎሚ ኣስመራ ኣትዩ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles