ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ሱዳን፡ ብኢማራት ዓረብ ዝቀረበ ተበግሶ ሽምግልና ምስ ኢትዮጵያ ተቐቢላቶ

መሰጋገሪ ካቢነ ሱዳን፡ ተበግሶ ሽምግልና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ደባዊ ግጭት ኢትዮጵያ ሱዳንን ከምኡ’ውን ኣካራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ምህናጽ ዓቢ ዲጋ ኢትዮጵያ ኣብ ሰመያዊ ኒል ተቀቢልዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ሕቶ ምሕድራን ምቁጽጻርን ናይቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ብኣልፈሻቓ ዝፍለጥ ናይ ሕርሻ መሬት፡ ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ምንባሩን፡ ከምኡ’ውን ዝርርብ ግብጺ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ናይቲ ብዓቢ ዲጋ ዝፍለጥ መዓልቦ ከምዘይረኸብን ይዝከር።

ሱዳን ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀሪቡ ንዘሎ ሽምግልና፡ ብደረጃ ሚኒስትሪ ሓበሬታ መጽናዕቲ ድሕሪ ምግባራ፡ ከምዝተቀበለቶ ሚኒስተር ሓበሬታ ሓምዛ ባሉሊ ገሊጹ።

ከምዝፍለጥ ሱዳን ኣቀድም ኣቢላ ንኣርባዕተ ኣካላት፡ ማለት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ዝርከብኦ ክሽምግላ እማመ ኣቅሪባ ምናብራ ይፍለጥ።

እዚ ብሱዳን ዝቀረበ እማመ ግብጺ’ውን ከምዝደገፈቶ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ግና ከምዘይትቅበለቶን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓደሰ ዝርርብ ከምትድግፍን  ከምዝገለጸት ይዝከር።

ነዚ ብ ኢማራት ዓረብ ቀሪቡ ዘሎ ሽምግልና ዝምልከት ብኢትዮጵያ ይኹን ብግብጺ ዝተዋህበ መግለጺ ስጋዕ ሕጂ የለን።

ዝናብ ክረምቲ ናይዚ ዓመት ኣብ ዝዘንበሉ፡ ኢትዮጵያ ናብቲ ብዓቢ ዲጋ ዝፍለጥ ሓጽቢ  ንመበል ካልኣይ ዓመት ማይ ክትውስኽ ትጽቢት ኣሎ። ዓቢ ዲጋ  ንናይ ኢትዮጵያ ቁጠባዊ ምዕባለን ሓይሊ ጽዓትን ዓቢ ተራ ክጻወት ተስፋ ከምዝግበረሉ ድማ ይሕብር። ስክፍታታት ግብጺ ኣብዚ ጉዳይ ዋሕዲ ቀረብ ማይ ናይል ክኽውን ከሎ፡ ሱዳን ውሕስነትን ዓቢ ዲጋን ምቁጽጻር ዋሕዚ ማይ ናብ ሓጽብታትን ማያዊ ሓይልን ምዃኑ ትሕብር።

ኣቅድም ኣቢሉ ብሰሉስ 23 መጋቢት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ እቲ ሓጽቢ ክመልእ ምዃንን፡ ብሰንኪ ምድንጓይ ድማ ናይ 1 ቢልዮን ወጻኢታት ከምዝህልዎን ሓቢሩ። ብተወሳኺ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ንሱዳን ይኹን ንግብጺ ክትሃሲ መደብ የብላን፡ ግና ኣብ ጸልማት ክንነብር ኣይንደልን ክብል ገሊጹ።

ምንጪ ዜና ሮይቶሪስ

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned Professionals are dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ