back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ንሓደ ዓመት ተቋሪጹ ዝጸንሐ መስርሕ ትምህርቲ ኤርትራ ክጅምር ከምዝኾነ ተገሊጹ

ኣብ መጋቢት 2020፡ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ካብ ዝመጽእ ባሕቲ ምያዝያ ክጅመር ምዃኑ፡ ንምኒስትሪ ትምህርቲ ኤርትራ ብምጥቃስ ምኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ገሊጹ።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ 12 ክፍሊ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተመሃሮ፡ ንዓመት መመላእታ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተኣልዮም ድሕሪ ምጽናሕ ክጅምሩ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የብርህ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ዕጽዋ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኮለጃት ዝመሃሩ ተመሃሮ ግን፡ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዕጽዋ ዘኸተሎ ሓያል ጥምየትን፡ ስእነት ቀረባት ኣኸቲሉ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ካብ ደገ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ዘይብሎም ስድራቤታት ኣዝዮም ተሃስዮም ምህላዎም ይሕበር።

ብሰንኪ ዘይብቁዕ ምሕደራ፡ ካብ ንግዲ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ዓለም ዝተገለለት ኤርትራ፡ ህዝባ ኣብ ከቢድ ሕሰም ናብራ የሕልፎ ምህላዉ፡ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ ተመሳሳሊ ሓበሬታ፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ነቶም ኮቪድ-19 ምኽንያት ብምግባር ትምህርቲ ተዓጽይዎም ዝጸነሐ ተመሃሮ ንምሕጋዝ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ዝተፈላለየ ናይ ትምህርቲ ድጋፍ ኣብዚ ቀረባ ከምዝጀምሩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles