back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እገዳ ኣጽዲቁ 

 ሶኑይ 22 መጋቢት፡ ነቲ ብ ኣምበሳድራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝቐረበ እማመ እገዳ፡ ብ ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ  ዝማሓደር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ እገዳ ክግበረሉ ሚኒስትርታት ወጻኢ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣጽዲቁ።  

ኣብቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ዝውዕል እገዳ፡ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ቀንዲ ተሓታቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምዃኑን፡ ብሰንኪ እዚ ትካል፡ ብዙሓት ንጹሃት ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ዝገብረዎ ገበን ክምተኣስሩን፡ ከምእተጨውዩን፡ ሃላዋቶም ከምዝጠፍኡን ገሊጹ። 

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ልዕሊ እዚ ትካል፡ ሓላፊኡ፡ ዝኾነ ብርጋዴር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ ዝኾነ፡ እገዳ ከምዘንበረን ናይ ንብረት (Asset) ምድስካልን፡ ናብ ናይ ኤውሮጳ ምእታውን፡ ዝኮነ ትካል ኤውሮጳ፡ ብ ቀጥታ ይኹን ብ ተዘዋወሪ ዝኾነ ዓይነት ርክባት ንከይገብራ ዝእግድ ምዃኑ፡ እቲ ሎሚ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ የብርህ። 

ሕብረት ኤውሮጳ፡  ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጋጥሞም ዘሎ ዝበሎም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለምና፡ ን 11 ዝኾኑ ውልቀሰባትን ትካላትን እገዳ ከምዘንበረ ብተወሳኺ ይፍለጥ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ዓይነት፡ ሕጋውን ሞራላውን ባይታ የብሉን፡ ድሕሪ ምባል፡ ካልእ ግዳማዊ ህንጡዩነት ከማልእን፡ ን ህውሓት ከድሕኖን ናብ ስልጣን ክመልሶን ፡ኤርትራን ኢትዮጵያን ንነባርን ዘላቅን ምትሕብባር ኣብቲ ከባቢ፡  ዝሰርሕኦ ዘለዋ ዘናኣእስ እዩ ክብል መልሲ ሂቡሉ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles