ኣባል ፓርላም ኒው ዚላንድ ዝኾነ ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር፡ ምስ ካልእ ኣባል ፓርላማ ናይ’ታ ሃገር ኣቦ ወንበር ምሕዝነት ኒው ዚላንድ ምስ ማእከላይ ምብራቅን ኣፍሪቃን ኮይኑ ከምዝተመረጸ፡ ኣብ ወግዓዊ ገጽ ፌስቡኩ ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኢብራሂም ዑመር ኣብ ሓበሬትኡ፡ ምስ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዝኾነ ኣንድሪው ባይልይ ብምዃን ነቲ ጉጅለ ምሕዝነት ክመርሕዎ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ፓርላማ ኒው ዚላንድ እዚ ምሕዝነት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተባህሉ ዝጽዋዕ ኣካል ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ዘለዎ ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2020 ኣብ ኒው ዚላንድ ዝተገብረ ምርጫ ኣባል ፓርላማ ኮይኑ ዝተመረጸ፡ ኢብራሂም ዑመር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ስደት ግዙፍ ዓወታት ዘመዝገቡ ኤርትራዊ እዩ።