back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንጻውዒት ኢትዮጵያ ተቐቢልዎ

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝተባህለ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ብሓባር ክምርምሩ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ጠለብ፡ እቲ ኮምሽን ከምዝተቐበሎ ተፈሊጡ። ሚሼል ባሽሌት ነቲ “ ገበናት ኲናት ተፈጽሞም ክኾኑ ተኽእሎ ኣሎ” ኢላ ኣቀዲማ ገሊጻቶ ዝነበረት ኩነታት ክልል ትግራይ ንምምርማር፡ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሉውነት ድሕሪ ምርኣዩ እያ ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰል ናይ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዝተሰማመዐት።

ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ጻውዒት፡ ላዕለወይቲ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብእወታ ከምዝተቐበለቶ ኣፈኛ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብሮቡዕ 17 መጋቢት ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕብራት ሃገራትን ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን፡ ሓባራዊ ውጥን ኣብ ምውጻእ ከምዝርከቡ፡ እቲ ውጥን ኣገባብ ኣተገባብራን ቀረባትን ዘማለአ ኮይኑ፡ ነቲ ሓበራዊ ተልእኾ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምጅማር ዘድሊ ኢዩ ክብል ኣፈኛ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግፍዕታት ይፍጸሙ ከይህልዉ ስክፍትኡ ክግለጽ ከምዝጸነሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ጽሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ “ ምጽናት ዓለት ተኻዪዱ” ክብል ገልጹ ምንባሩ ይፍለጥ። ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ብ ሓሙስ 18 መጋቢት ፕረዝደንት ኣሜሪካ ናይ ቀረባ መሻርኽቱ ምዃኑ ዝንገረሉ ሰነተር ክሪስ ኮንስ ግዝያዊ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ጌሩ ከምዝመዘዞ ሰቲት ኣብ ዜንኣ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles