back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣሜርካ ንጉዳይ ትግራይ ዝዘራረብ ልኡኽ መሪጻ

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ን ኣባል ሰኔት፡ ክሪስ ኩንስ፡ ግዝያዊ ዲፕሎማት ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ኤትዮጵያ ኮይኑ ብዛዕባ ኩነታት ትግራይ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ከምዝመረጾ ማዕከን ሓበሬታ ፎረይን ፖሊሲ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ልኡክ ዕለት 25 መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኸየድን፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያን፡ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ከምዝራኸብ የብርህ።

ክሪስ ኩንስ ን ማዕከን ሓበሬታ “ፎረይን ፖሊሲ” ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ን ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሻቕሎት ብዛዕባ እቲ ኩነታት ኣብ ትግራይ ከምዝሰማማዓሉን ” ምንቁልቋል ኩነታት ትግራይ ን ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ስጋኣት እዩ” ክብል ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሰኔት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽናት ብሄር እዩ ዝካየድ ዘሎ፡ ካብ ክልል ትግራይ ምልሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ክወጹ ከምዘለዎም ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣህጉራውያን ውድባት፡ ብዙሓት ሃገራትን ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤትን፡ ኣብ ትግራይ ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ኣዝዩ ኣሻቓሊ ምኻኑ ክሕብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles