back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቲፋኒ ሓዲሽ ተዓዋቲት ስልማት ግራሚ ኮይና

14 መጋቢት ኣብ ዝወጸ ዝርዝር ኣስማት ዕዉታት ስልማት ግራሚ 2021፡ ኤርትራዊት መበቆል ዘለዋ ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽ፡ ስልማት ግራሚ ከምዝተዓወተት መርበብ ሓበሬታ ግራሚ ኣዋርድ ኣብ ዘስፈሮ ስም ዝርዝር ኣፍሊጡ።

“ብላክ ሚጽቫ”( black mistvah) ብእትብል ናይ ኮሜዲ ኣልቡማ ዝተዓወተት ቲፋኒ ሓዲሽ፡ ንፍሉጥ ኣይሁዳዊ ኮሜድያን ጀሪ ሰይንፊልድ ብምስዓርያ ክትዕወት በቂዓ።

ቲፋኒ ሓዲሽ ቅድሚ ገለ ዓመታት  ንፈለማ ግዜ ናብ ኤርትራ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ኣዝማድን ቤተሰባን ክትላለ ከምዝበቅዐት ገሊጻ ምንባራ ይጥቀስ።

ኣብ ኣሜርካ ካብ ኤርትራዊ ኣቦን፡ ጸላም ኣመሪካዊት ኣደን ዝተወለደት ቲፋኒ ሓድሽ፡ ብተወሳኺ ኣይሁዳዊ መበቆል ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ “ባር ሚጽባህ” ተባሂሉ ዝጽንበል ናይ ኣይሁድነት ጽንብል ከምዝጸንበለት ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles