14 መጋቢት ኣብ ዝወጸ ዝርዝር ኣስማት ዕዉታት ስልማት ግራሚ 2021፡ ኤርትራዊት መበቆል ዘለዋ ተዋሳኢት ቲፋኒ ሓድሽ፡ ስልማት ግራሚ ከምዝተዓወተት መርበብ ሓበሬታ ግራሚ ኣዋርድ ኣብ ዘስፈሮ ስም ዝርዝር ኣፍሊጡ።
“ብላክ ሚጽቫ”( black mistvah) ብእትብል ናይ ኮሜዲ ኣልቡማ ዝተዓወተት ቲፋኒ ሓዲሽ፡ ንፍሉጥ ኣይሁዳዊ ኮሜድያን ጀሪ ሰይንፊልድ ብምስዓርያ ክትዕወት በቂዓ።
ቲፋኒ ሓዲሽ ቅድሚ ገለ ዓመታት ንፈለማ ግዜ ናብ ኤርትራ ምንባራ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ኣዝማድን ቤተሰባን ክትላለ ከምዝበቅዐት ገሊጻ ምንባራ ይጥቀስ።
ኣብ ኣሜርካ ካብ ኤርትራዊ ኣቦን፡ ጸላም ኣመሪካዊት ኣደን ዝተወለደት ቲፋኒ ሓድሽ፡ ብተወሳኺ ኣይሁዳዊ መበቆል ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ “ባር ሚጽባህ” ተባሂሉ ዝጽንበል ናይ ኣይሁድነት ጽንብል ከምዝጸንበለት ይፍለጥ።