back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ፡ ብሩስያ ተፍርዮ ዘላ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝተገደሰት ተሓቢሩ

ብ ዕለት 10 መጋቢት፡ ኣምበሳድር ሩስያ ኣብ ኤርትራ፡ ያራክህምዶቭ ምስ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ጎብርሂወት፡ ኣብ ፍርያት ሩስያ ዝኾነ “ስፑትኒክ” ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝዘተዩ፡ እቲ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ገሊጹ። እቲ ጽሑፍ ኤርትራ ነቲ ክታበት ክትጥቀም ዲያ ኣይኮነትን፡ ዝተፈለጠ ተወሳኪ ሓበሬታ ኡኳ ተዘየለ በቲ ክታበት ተገዳስነት ኣርእያ ከምዘላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ፍርያት ሩስያ ዝኾነ ” ስፑትኒክ” ዝተሰምየ ክታበት ኮቪድ-19፡ ካብቶም ኣቀዲሞም ናብ ጥቅሚ ክውዕሉ ተባሂሎም ብ ቁልጡፍ ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ዝተጸጸየንኦን፡ ግቡእ መጽናዕትን ክሓልፎ ዝግብኦ ፈተነታትን ኣይሕለፈን ብምባል፡ ንከይጥቀማሉ ከምዝወሰና ዝፍለጥ እዩ፡፡ ሩስያ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዘሎ ሃጓፍ ቀረብ ንምምላእ ምስተፈላለያ ሃገራት ትዘራረብ ከምዘላን፡ገለ ሃገራት ድሮ ተቐቢለን ንክጥቀማሉ ከምዝወሰና ይፍለጥ።

ሰቲት ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ን ኮቫክስ (Covax) ብምጥቃስ፡ ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮምሽን ሕብረት ኤሮውጳን ፈረንሳን፡ ን ማዕርነት ምዝርጋሕ ክታበት ኮሮና ዝቖመ ፕሮግራም፡ ድኻታት ሃገራት 20% ካብ ህዝበን ዝኸውን፡ ክታበት ብ ነጻ ዘቕርብ ፕሮግራም ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ነዚ ዕድል ንኽጥቀም፡ ኣድላዪ ዝበሃል ቅጥዒ ምምላእ ከምዘይገበረትን ከምዘይሓተትን ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር።

እዚ ብ ኮቫክስ ዝዝርጋሕ ዘሎ ክታበት ድሮ ኣብ ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጁቡቲ ሶማልን በጺሑ ከምዝርከብ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles