back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጀኔቫ፡ ኤርትራውያን ዝገምዐ ሰልፍታት

ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ 15 መጋቢት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ፡ 16 መጋቢት ድማ ኲናት ትግራይ ዝቃወም ሰልፊ ተኻይዱ፡ ኤርትራውያን ኣብ ክልቲኡ መዓልታት ተሳቲፎም።

እቲ ብ15 መጋቢት ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ብኢትዮጵያውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ንግብረሽበራዊ ዝበልዎ ህውሓት ንምጥፋእ ዝተካየደ ብምንባሩ ግቡእ ከምዝነበረን ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፍዎን ገሊጾም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ባንዴራታት ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ባንዴራ ስርዓት ደርግ ነበር፡ ባንዴራ ንጉስ ሃይለስላሴ ክንብልበል እንከሎ ንዕኡ ንምድጋፍ ዝተጸምበሩ ኤርትራውያን ድማ ባንዴራ ሃገረ ኤርትራን ባንዴራ ህግሓኤ ኣንበልቢሎም።

እቲ ብ16 መጋቢት፡ ብማሕበረሰብ ተጋሩ ዝተዳለወ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዘይሕጋዊ ኣብ ልዕሊ ክንሱ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጃምላዊ ህልቂት ከምዝተኻየደ ናይዚ ኲናት ገበነናታት እዮም ዝበልዎም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፍወርቅን ናብ ሕጊ ክቐርቡ ጸዊዖም።

ኣብዚ ኣጋጣሚ’ውን ባንዴራ ክልል ትግራይ፡ ባንዴራ ክልል ኦሮሞ፡ ባንዴራ ሃገረ ኤርትራ፡ ባንዴራ ፌደረሽን ኤርትራ ተንበልቢለን።

ኣብቲ 15 መጋቢት ወኪል ኣዳለውቲ መደብ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ፍትዋት ኤርትራውያን እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባል ህወሓት ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሓሉ ገማሚዑ ከምዝመቐላ፡ ኣብ መንጎ ህዝባ ጽልኢ ከምዝዘርአን፡ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ድማ ተቐቢሩ ከብቅዕ ብሓሶት ሽም ኢትዮጵያ ንምጽላም ይሰርሕ ብምህላዉ ነዚ ንምምካት ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ገሊጾም።

ንኤርትራ ዝወከለ ኣብ ዘስመዖ ቃል ብወገኑ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጽሞ ዘሎ ግጉይ ስጉምቲ ብምቅዋም የእዳውኩም ኣክቡልና ኢሉ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጉዳየን ባዕለን ክፈትሓ ዓቕሚ ከምዘለወን ገሊጹ።

ሰልፈኛታት በብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ጭርሖ፡ ከም ሲኤንኤን፡ ኣልጀዚራ ካልኦት ማዕከናት ዜናን፡ ካብ ሓሶት ክቑጠባ፥ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦትን ዝወሰድዎ ጸግዒ ኮኒኖም።

ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፍ’ዚ ናይ ሙዚቃን ጓይላን ሳዕስዒትን ሃዋሁው ኔሩ ዝተፈላለዩ ደርፍታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምስማዕ ተዘናጊዖም።

ኣብቲ ብ16 መጋቢት ዝተኻየደ ድማ፡ ወኪል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትግራይ ካብ ሕጂ ንደሓር ሃገር ምዃናን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ በደል ንምምርማር ነጻ መርማሪ ኣካል ክሰድድ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ጸዊዑ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles