ብስም ‘ሕጊ ምኽባር’ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ተኻይዱ።
ኣብቲ ብሮቡዕ 10 መጋቢት 2021 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሓባር ከካይዱ እንከለዉ ዕላማ እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ብዓቢኡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ውድባት ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማዕከናት ዜና ዓለምን ካልኦትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታትን ሓበሬታትን ንምቅዋም እዩ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓደ ስሙ ዘይተገልጸ ንማሕበረሰብ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዕላማ ሰልፈኛታት ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ዝወስዶ ዞሎ ግጉይ ስጉምትታትን ሓሶትን ንምቅላሕን ምቁዋምን ምኳኑ ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ወያነ ባዕሉ ኲናት ጀሚሩ ክንሱ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ ነዚ ካብ ምእማን ብዘየወላውል መገዲ ብምሕንጋድ፡ ብኣንጻሩ ገበን ወያነ ብምጉልባብ ንኢትዮጵያ ብምኽሳስ፡ ንኤርትራ ገንሸል ይገብራ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ዝወከሉ ወገናት ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ደው ክብል ኣብ ክንድኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ‘ግብረሽበራዊ’ ዝበልዎ ሕወሓት ጸቕጢ ክግበር ጸዊዖም። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወሰደቶ ስጉምቲ ድማ ናይ ምክልኻል ልኡላውነት ስጉምቲ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብቲ ባንዴራታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተንበልበለሉ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት ሲኤንሲኤን ናይ ሓሶት ዜና ኣይትዘርግሑ፡ ኣልጀዚራ ሓሰውቲ ኢኹምን ካልእ ዝብልን፡ ህውሓት ዝፈብረኾ ወረታት ኣይትዘርግሑ ‘መራሒ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ እዩ’ ክብሉ ተሰሚዖም።
4 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብማዕከናት ዜና ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ህውሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሰሜናዊ እዚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ’፡ ሕጊ ምኽባር ዝተሰምየ ኲናት ኣብ ልዕሊ እቲ ነታ ክልል ክመርሕ ዝጸንሐ ህወሓት ከምዝኣወጀ ይዝከር።
እንተኾነ እቲ ኣብ ሓጺር እዋን ክውዳእ ተወጢኑ ዝነበረ ኲናት ግዜ ድሕሪ ምብልዑ፡ ኣብቲ ኲናት ተጌሮም ዝተባህሉ በደላት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት፡፡ ጸወታዊ ዓመጽን ወረ ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃሙ፡ ናብ እዝኒ ማሕበረሰብ ዓለም ክበጽሑ ድሕሪ ምጅማሮም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ ስዕረት ከጋጥም ከምዝተራእየ ይፍለጥ።
ኣምነስት ኢንተርናሽናልን ሁማን ራይት ዋችን፡ መሰኻኽር ተወኪስና ኢሎም ኣብ ዘውጽእዎ ጸብጻባት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰብ ጃምላዊ ቅትለት ከምዝተኻየደ ገሊጾም። ኣል ጀዚራ፡ ሲኤንኤንን ካልኦት ማዕከናት ዜናን ነቲ ጃምላዊ ህልቂት ዘቃልዐ ሸፈነ ዜና ከካይዳ ከምዘካየዳ ብተወሳኺ ይዝከር።
ተመሳሳሊ ሰልፊ ሰኑይ 15 መጋቢት ኣብ ከተማ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተመዲቡ ከምዘሎ ይፍለጥ።