ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

መትከል እዮብ ኣብ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ ዓወት ኣመዝጊቡ

ኣብ ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ብግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ ዝፍለጥ ዙር፡ ምስ ማሌዥያዊት ጋንትኡ ኮይኑ ዝሳተፍ ዘሎ መትከል እዮብ፡ ሎሚ ኣብ 7 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ንወዲ ጋንትኡ ካርሎስ ኪንትሮ ብምስዓብ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ኣስታት 2 ሰዓት 41 ደቂቕን ዝወሰደ ውድድር፡ መትከል እዮብ ካብ ተዓዋቲ እቲ ውድድር ዝኾነ ካርሎስ  ኪንትሮ፡ 15 ሰከንድ ድሒሩ ውድድሩ ምዕዋቱ ይፍለጥ።

ኣብ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ 28 ጋንታት ይሳተፋ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወዲ 27 ዓመት መትከል እዮብ፡ ኣብዚ ዓመት ኣህጉራዊ ውድድራቶም ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እዩ።

ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያል ዓብላልነት ዘለዋ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 9 ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ክለባት ኮይኖም ኣህጉራዊ ጸወታት የካይዱ ምህላዎም ሰቲት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዜናኣ ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ