ንምኻኑ ህዝቢ ዝብል ኣምር ብዓይኒ ፖለቲከኛታት ዓድና ኣበይ እዩ ደረቱ? ንናትካ ዕላማ፣ወይ ስልጣን፣ወይ ፖለቲካዊ ፕሮግራም/ቅዲ ዝረዓመ ንዕኡ ዝስየፍ ገለ ክፋል ሕብረተሰብ ህዝቢ ዝብል ስም ይወሃቦ ድዩ? ህዝባዊ ዕላማን፣ህዝባዊ ስርርዕን መን ይህበና?
ኣብቲ መሰረታዊ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ብፖለቲከኛታት ህዝቢ ብኸመይ ይጥመት ንዝብል ጥራይ ክትንክፍ። ንኣብነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፣ከምቲ ስሙ ዕላምኡን ኔሩ ዶ? ንድሕሪት ንምምላስ ዘይኮነስ ህዝባዊ ዘብሎን ዘየብሎን ነገራት ፈሊና ክንርእይ ንኽእል ዶ? ከምዝፍለጥ ህ.ግ ብናይቶም ካብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ “ብስነሓሳብ” ተፈላሊና ኢሎም ናቶም ሓሳባት ከተግብሩ ዝተፈልዩ ጉጅለ እዩ። ኣብቲ መስርሕ ቃልሲ ፣ነቲ ውድብን ዕላምኡን ዝኣምንሉን ዘይኣምንሉን ሰባት ኣሳቲፉ፣ብሓይሊ ጠበንጃ ናጽነት ክውን ገይሩ። ኣብዚኣ ሓንቲ ዓባይ ሕቶ ክሓትት፣ህግ ተሓታትነቱ ንነብሱ፣ወይ ንኣባላቱ እምበር ንህዝቢ ኮይኑ ይፈልጥ ዶ? ተዘይኮይኑ እንታይ እዩ ህዝባዊ ዘብሎ? ህዝባዊ ዘብል ህዝባዊ ሰረት፣ወይ ህዝባዊ ተሳትፎ ዘይምህላው ነቲ ትመርሖ መንግስቲ ክሳብ ክንደይ ይጸልዎ ብዙሕ ሰብ ክርእዮን ክድህስሶን ዘሽግር፡ ደብዛዝ ሓሳብ እዩ። ብሃሳስ ህዝቢ እናልካ ናይ ጉጅለኣዊ ረብሓኻን ዕላማኻን ተካይድ።
ዝበዝሕ ሰውራታት ኣብ ሽም ኣመራርጻ ኣይሽገሩን እዩም፣ኣብቲ ተግባር ግን ነቲ ሽም ክም ቅርስ ይትረፍ ከም ዕላማ እውን ኣይርእዮዎን። ኣብዚ እቲ ህዝቢ ዝብል ኣምር ንዓይ ነቶም ኣብቲ ፖለቱካዊ ሱታፈ ብወለንታ፣ወይ ተገዲዶም ዝሳተፉ ዘለዉ እምበር ናይቲ ሓፋሽ ኣይኮነን። ናይ ሓፋሽ ዘይኮነ፣ውዳበ ስርርዕ ኸኣ ንረብሓ ሓፋሽ ክሰርሕ ይጽገም ኣሎ መስለኒ።
ምናልባት ገለገለ ሰባት እሞ ናይ ሓፋሽ ውዳበ ኣሎ ድዩ? ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ኣበሃህላይ እቲ ውዳበ ንነብሱ ዝበቅዕ ስም ሒዙ፡ ንሓፋሽ ዝበቅዕ መሪሕነት ተኺሉን፣ኣገልግሎታት ክህብ ምስ ጀመረ፣ህዝቢ ከሳተፍ፣ተሓታትነቱ ንህዝቢ ከምዝኸውን ምስ ገበረ ህዝባዊ እንተዝብል መምሓረሉ። ህዝቢ ዘገልግል ስርዓት ክተክል እየ፣ካብቲ ዘሎ ዝሓሸና ኢና ዝብሉ ውደባታት በብግዚኡ ንርእይ ኢና፣ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ፣ህዝባዊ ባይቶ፣ሃገራዊ ባይቶ፣ሃገራዊ ምንቅስቃስ ወዘተ
ንምንታይ ዘይስጉሙ እንተይልና ኣብቲ ሕቶ መልሲ ኣይሰኣኖን እዩ።ህዝባዊ ዝብል ንስሙ ዘይበቅዕ ስለዝኾነ’ዩ። ንኣብነት ኣብ ለንደን ብገለ ምስቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ብዕላማ ብተግባሩ፣ብራኣእዩኡን ዘይተሰማምዑ ኤርትራውያን ተኣኪቦም ምንቅስቃስ ክሰርሑ እንከለዉ፣እቲ ውዳበ ተሓታትነቱ ንኣባላቱ፣ንዕላምኡን ክንዲ ምግባር ናይ ኩሉ እናልካ ንፋስ ብምእታው ዘይትቆጻጸሮ ውዳበ ይኸውን። ብጸጥትኡ ይኹን ብተሓታትነቱ ዘይትቆጻጸሮ፣ ኸኣ ከምዚ ንዓለም ምእካቡ ኣሸጊርዋ ዘሎ ኣብ ሰማይ ፋሕ ኢሎ ዘሎ ሓበሬታታት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ግዜኻን ጸዓትካን ኣባኺንካ ቁምነገር ከይሰራሕካ ካብ ኣኼባ ናብ ኣኼባ እናኸድካ ተሰላቺኻ ከኣ ደው ትብል። ዜርና ዜርና እቲ ዕላማ ፣እቲ ተግባር፣እቲ ውዳበ ካብቲ ህዝቢ እኹል ደገፍ ረኺቡ ክስጉም፡ንለውጢ ክውን ክገብርን ምስራሕ እምበር ፣ህዝባዊ ስለ ዝበልካስ ህዝባዊ ኣይክወንን እዩ። ካልእ እቶም ኣብቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ብመሪሕነት ዝሳተፉ፣ተመጣጣኒ ናይ ፍልጠት ዓንኬል ክሰርሑ ኣለዎም። ብውሕዱ ነቲ ከባቢ ብመጽናዕቲ፣ነቲ ማንፌስቶ ብረቂቅ ልዙብ ምብህሃል ክወሓሓጥሉ ይግባእ። እንተዘይኮነ ብዕላማ ብራኢ፣ብተግባር ዘይሰማምዑ መራሕቲ ሒዝካ ናብ ትበጽሖ ናይ ለውጢ ኣፍደገውን ክህሉ የጸግም እዩ።