ብ4 መጋቢት 2021፣ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተወደበ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ሊብያ ከምዝተኻየደ፣ ወከልቲ ናይቶም ስደተኛታት ናብ ሰቲት ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣፍልጦም። ኣብዚ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ሰባት ዝሳተፍዎ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብ ትካል ዩስደተማታት ውድብ ሕብራት ሃገራት (UNHCR) ብወግዒ ተመዝጊቦም ከብቅዑ፡ ግቡእ ኣቓልቦ ዘይረኸቡን፣ ክሳብ ሕጂ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስግጋሮም መስርሕ ዘይተጀመረሎምን ንዓመታት ኣብ ሊብያ ኣብ በዳሂን ሓደገኛን ኩነታት ተኸርዲኖም ምህላዎም ዝሓበሩ እቶም ስደተኛታት፣ ዝምልከቶ ኣካል ግቡእ ቆላሕታ ክገብረሎም ክጽዎዑ ከለዉ፡ መረርኦምን ዝርከብዎ ኩነታትን ብዝተፈላለየ ጭርሖታት ከስምዑ ውዒሎም ።
እቶም ስደተኛታት ናብ UNHCR ኣብ ዝሰደድዎ ዝርዝራዊ ትሕዝቶ ጥርዓኖም እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ይርከባ። ከም ኩሉም ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቁባን፡ ናብ ውሑስ ሳልሳይ ሃገር ዝካየድ መስርሕ ክግበረሎም፡ ቀድምነት ን ኤርታርውያን ሰደተኛታትን ሓተቲ ዑቁባ ተዋሂቡ ከብቅዕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ካብ ኻልኦት ሃገራት ዝመጹ ኢርትራዊያን ንዘይኮኑ ቀዳምንትን ኣተኩሩን ተዋሂብሉ ይስራሕ ዘሎ ስለምንታይ?
ቅድሚ ክልተ ዓመት መስርሕ ቃለ ምሕተት ዝገበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ግብረ-መልሲ ካብ UNHCR ዘይተዋህቡን፡ ዝኾነ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጥያስ ዕድል’ውን ዘይተረኽበን ስለምንታይ?
ቅድሚ ክልተ ዓመት መስረሕ ቃለ ምሕተት ዝገበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ክጽበዩ ዝጸንሑን፡ ዝኾነ ግብረመልሲ ዘይረኸቡን፡ ጉዳይኩም ተነጺጉ እዩ ዝተባህሉ፡ አንታይ እዩ እቲ ዝተነጽገሉ ምኽንያት? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ከቕርቡ ከለው፡ ኣረጋውያን ከምኡ’ውን ኣብ ሃገራዊ እገልግሎት ዝነበሩ ስድኣራቤቶም ኣብ ካልኦት ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ፡ ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተገብረን ብምዝኽኻር ን ትሕተ-ዕድመ ዝኾኑ ድማ ቀዳምነት ክዋሃብ ጸዊዕም።
ገለ ካብዞም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ስንክልና ዘለዎም፡ ብሰንኪ ጭንቀት ናይ ኣእምሮ ስንክልና ዘጋጠሞም ክምዝኾኑን፡ ነዝኦም ኣድላይ ሓገዝን ምክትታልን ክግበረሎምን መሰርሕ ምጥያስ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክገበረሎም ድማ ብተወሳኺ ኣቶም ሰልፈኛታት ጸዊዕም።
ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኣሰቃቂ ዝኾነ ናብራ፡ መዓልታዊ ጭንቀት ናይ ምንባር፡ ንክትጸሮ ዘይትክእል ኩነታት መነባብሮ ስለ ንርከብ፡ UNHCR ወርሓዊ ናይ መግቢሓገዝ፡ ገዛ ክራይን ክገብረሎም፡ እቶም ሰልፈኛታት ብተወሳኺ ሓቲቶም።