ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንዝፈረምኦ ወተሃደራውን ጸጥታውን ስምምዓት፡ ተወሳኺ ስምምዕ ብምፍርራም፡ ነቲ ዝነበረን ስምምዕ የጠናኽርኦ ምህላወን ይፍለጥ። እዚ ሰሉስ 2 መጋቢት ኣብ ካርቱም ዝተገብረ ስነስርዓት ምፍርራም፡ ሓላቂ ስታፍ ምኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ፡ ሌተናል ጀነራል ማሓመድ ፋሪድ፡ መንግስቲ ግብጺ ምስ ሱዳን ዘለዋ ዝምድና ኣብ ኩሉ መዳያት ክትታሓጋገዝ ድልውቲ ሙኻናን፡ ኣብ መደያት ወተሃደራውን ጸጥታውን፡ ግብጺ ን ሱዳን ዘለዋ ጠለባት ክተማልእ ድልውቲ ሙኻና ገሊጹ። ብወገን ሱዳን ኣብቲ ስምምዕ ተረኺቡ ዝነበረ፡ ሌተናል ጀነራል ማሓመድ ዑትማን ኣልሑሴን፡ ዕላማ ናይዚ ስምምዕ፡ ናይ ክልቲኤን ሃገራት፡ ውሽጣውን ግዳማውን ጸጥታ ዘውሕሰን፡ ሰራዊት ብ ተመክሮን ፍልጠትን ምህናጽ ምኻኑ ገሊጹ። ብተወሳኺ ሌተናል ጀነራል ማሓመድ ኣብዚ ፈታኒ እዋን፡ ግብጺ ኣብ ጎኒ ሱዳን ደው ምባላ ነመስግን ክብል ኣብሪሁ።
እዚ ዝተፈራረምኦ ስምምዕ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ብ ሰንኪ ምስሕሓብ ናይ ይግብኣኒ እዩ ዝብልኦ መሬት ኣልፋሽቃ፡ ኣብ ጎንጺ ኣብ ዝርከባሉ ዘለዋ እዋን ይጋጥም ምህላው ይፍለጥ።
ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚሩ ብዙሓት ሓደስቲ ግጭታትን፡ ምክፍፋላትን ክርኣዮ ምጽንሑ ይፍለጥ።