ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ሰለስተ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሓደ ሰሚረን 

 

ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚረን ሰፊሕ ርክብ ክገብራ ዝጸንሓ፡ ሰለስተ ውድባት ኤርትራ፡ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 28 የካቲት ጀሚረን ኣብ ሓደ ከምዝሰመራን፡ ሓደ ውድብ ንሙዃን በቂዐን ከምዘለዋን ሓቢረን።

እተን ሰለስተ ከካይድኦ ዝጸንሓ ሰፊሕ ዝርርብን ምምይያጥን፡ ኣብ መዓልብኡ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ህዝቢ ካብ ነዊሕ ክሓቶ ዝጸንሐ ንሓድነት ዝምልከት ሕቶ ንምትግባር ከምዝነቐላ ኣፍሊጠን።

ውድብ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ, ውድብ ሓድነት ንዴሞክራስያዊ ለውጢን, ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን፡ ምኻነን ይሕበር።

ኣብ ደገ ዝርከብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ነንሓድሕዱ ከቢድ ምፍልላይን ምፍንጫልን ከርኢ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዘን ውድባት ናይ ምጥርናፍ ኣብነት ክኾና ተስፋ ይግበር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ