back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኤርትራ ክሳብ ሒጂ ንክታበት ኮቪድ-19 ዝምልከት ቅጥዒ ኣይመልአትን

 ኮቫክስ (Covax) ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኮምሽን ሕብረት ኤሮውጳን ፈረንሳን፡ ን ማዕርነት ምዝርጋሕ ክታበት ኮሮና ዝቖመ ፕሮግራም፡ ድኻታት ሃገራት 20% ካብ ህዝበን ዝኸውን፡ ክታበት ብ ነጻ ዘቕርብ ፕሮግራም እዩ። ሃገራት ነዚ ዕድል ተጠቀምቲ ክኮና ቕጥዕታት ኣማሌአን ምሕታት መሰርሕ ብቐጥታ ናብ ኮቫኽስ ምስ ዝገብራ። ብነጻ ዝወሃበን ን20% ካብ ቁጽሪ ህዝበን ዝኸውን ክታበት ክዕደላየን። 

ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ነዚ ዕድል ንክጥቀም፡ በዚ መስርሕ ኣቢላ ንኮቫክስ ዝግባእ ቅጥዒ ከምዘይገበረትን ከዘይሓተትን ይፍለጥ።  

ነዚ ኮቫክስ ፕሮግራም ተጠቀምቲ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ድሮ ክታበት ክቕብላ ከምዝጀምራ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ክሕብሩ ከለዉ፡  ጋና ቀዳመይቲ ተጠቃሚት ሃገር  ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክትከውን ከላ ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ነቲ ክታበት ከምእትርከቦ ይፍለጥ። 

ኮቪድ-19 ከም ተላባዒ ሕማም ካብ ዝኸውን ኣስታት ሓደ ዓመት ኣሕሊፉ ኣብዘሎ እዋን፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረብ ክታበት ኣብ ዓለምና፡ ንሃብታማት ሃገራት ቀዳምነት ተዋሂቡ፡ ድኻታት ሃገራት ብሰንኪ ዓቅሚ ህዝበን ተጠቅምቲ ክታበት ኮይነን  ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከቲበን ንክውድኣ ክጽገማ ሙኻነን ይሕበር። በዚ መሰረተ ዝወጹ ዘለዉ ሓበሬታት፡ በዚ ዘሎ ኩነታት ኣካይዳ ከኣ ኣብ መወዳእታ 2024 ህዝበን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ከቲበን ክውድኣ ከምዝኾና ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles