back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ኣሜርካ ዳግም ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ከተውጽእ ጸዊዓ

ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ (State Department)፡ ሰራዊት ኤርትራን፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ምልሻን፡ ብህጹጽ ካብ ክልል ትግራይ ዳግም ክወጹ ጸዊዑ። እቲ መግለጺ ናይቲ ቤትጽሕፈት ምውጻእ ናይዞም ክልተ ሓይልታት፡ ቀዳማይ ደረጃ ክኸውን ዝግብኦ ኮይኑ፡ ኩሎም ወገናት እቲ ግጭት ጠጠው ክብል ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ኣሜርካ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝርአ ዘሎ፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብትሪ ከምእትኹኑኖን፡ ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ነጻ ዓለምለኻዊ መርማሪን፡ ብግቡእ ክሰርሕ ከምእተሓሳስብ ኣፍሊጣ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ተባሂሉ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታት፡ ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦን እቲ ሽግር ንምፍትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ብሓባር ክዓዪን ጸዊዑ።

ብዘይካዚ ቤተ ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን፡ብዕለት 26 የካቲት ብዛዕባ ምእታው ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ዓለምለኻዊ ናይ መርመራ ትካላትን፡ ኣብቲ ዓመጽን፡ ሰብኣዊ ጥሕሰትን ዝተፈጸመሉ ክሰርሑ ዘፍቅድ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣፍልጦ ከምዝህቦ ኣፍሊጡ።

ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ፡ ብቀጥታን ብመግለጽን ሓቢራ ምንባራ፡ ሰቲት ኣብ ዜናኣ ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር። ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብዛዕባቲ ዘጋጥም ዘሎ ኲነታት፡ ዘለዎ ኣተሓሳስቢ መግለጺ ከውጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles