ሸውዓተ ዓለምለኻዊ ትካላት ማዕከን ሓበሬታ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ፡ ኩነታት ንምድህሳስን ንምምዝጋብን፡ ካብ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቃድ ከምዝተዋህበን፡ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኢትዮጵያ ኢቢሲ (EBC) ሓቢራ።
እተን ማዕከናት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ኣልጀዚራ፡ሮይተርስ፡ ኤ.ፍ.ፒ፡ ፊይናንሻል ታይምስ፡ ኒዮርክ ታይምስን ፍራንስ24ን ከምዝኾና ዝሓበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኲናት ካብ ዓይኒ ዓለምን፡ ማዕከናት ዜናን፡ ተኸዊሉ ብምጽንሑ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ክኸውን ዝኽእል ሞትን ዕንወትን፡ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ሕብረት ኤውሮጳን፡ ኣብ ልዕሊ ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቶም፡ ከቢድ ጸቅጢ ይገብሩ ከምዘሎ ይሕበር።
ኣብ ክልል ትግራይ 04 ሕዳር ዝጀመረ ኲናት፡ ነዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ወሪዱ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።