back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ መዓስከር ከምዝተጨውዩ ተሓብሩ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከራት ትግራይ ኩነታቶም ኣሻቓሊ ምዃኑ ክሕበር ከሎ፡ ኣብ መዓስከር ማይ-ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ዘስከፍ ናይ ጸጥታን ውሕስነትን ኩነታት ከም ዝርከቡ ካብቲ መዓስከራት ኣብ ዝሰደዱልና መልእኽቲ ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከራት ቀጻሊ ናይ፣ ምልሻ ምንቅስቓሳት ከምዝረአን፣ ብግዜ ለይቲ ሓሓሊፉ ተኹሲ ጠያይቲ ከም ዝስማዕን ገሊጾም። ብተወሳኺ ቅድሚ ገለ መዓልታት ሓንቲ ኣደ እትርከቦም 4ተ ኤርትራውያን መንነቶም ብዘይተፈልጡ ካብ መዓስከር ማይዓይኒ ዝርከብ መዕቖቢ ከምዝተጨወዩ ሓቢሮም።

ብሰንኪ ዘሎ ህሉው ምዕባለታት ንህይወቶም ዝሰግኡ ስደተኛታት: ምንቅስቓሳቶም ኣብቲ ከባቢ ተደሪቱ ከምዘሎን፡ ካብቲ መዓስከር ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ከምዘይወጹን፣ ንህይወቶም ዓቢ ናይ ጸጥታ ስግኣት የጋጥሞም ከምዘሎን ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ዝጸንሑ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ከምዝኾኑን፡ ብዙሓት ካብኣቶም ህይወቶም ክስእኑ ከለዉ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት ደሃዮምም ክፍለጥ ከምዘይተኻእለን፡ ክሕበር ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ካብ ዝጸንሑ ስደተኛታት፡ ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ፡ ናብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ግዒዞም ከምዘለዉ፡ ቤትጽሕፈት ስደተኛታትን፡ ተመለስቲ ካብ ስደትን (ARRA) ምግላጹ ይዝከር።

እዞም ኣብ ክልተ መዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ኣብ ደገ ዝርከብ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ንውሕስነቶምን ህይወቶምን ኣቓልቦ ክወሃቦን፡ ካብዚ ዘለውዎ ኩነታት ክላቐቑን ክሕግዞም ኣብቲ ዝሰደዱልና መልእኽቲ ተማሕጽኖም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣስታት 90 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ፡ ቅድሚ እዚ ኲናት ኣብ ዝነበረ ጸብጻባት ይሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles