ክልተ ኤርትራውያን ሆላንዳውያን ዝኾና፥ ሚልካ የማነን ሚካል ጸጋይን ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝካየድ ባይታዊ ምርጫ ሆላንድ ክወዳደራ ከምዝኾናን፡ ቦታ ንምርካብ ጉስጓስ የካይዳ ከምዘለዋን ፡ሰቲት ካብ ሆላንድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ሚልካ የማነ ምስ ሓምላይ ሰልፊ ጸጋም (groenelinks) ብምዃን ኣብ ባይቶ ሆላንድ፡ ቦታ ንምርካብ ትወዳደር ከምዘላ ይሕበር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ምስ ስደተኛታት ምትሕብባር፡ ክትነጥፍ ዝጸንሐት ኮይና፡ ልምዓት ዝተባህለ ማሕበር መስሪታ ምስ ስደተኛታት ኣብ ዝተኣሳሰር፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራውያን ጥቡቅ ርክብ ከምዝጸንሓ ይፍለጥ።
ሚካል ጸጋይ ድማ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ባይቶ ሆላንድ ምስ ሰልፊ ፒቬዳ(PVDA) ብምዃን ትወዳደር ከምዘላ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ዓለምለኻዊ ፖሎቲካ (International politics ) ዘጽንዐት ሚልካ፡ ኣብዚ ኣብ ሆላንድ ንዕለት 17 መጋቢት 2021 ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ፡ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ኣብዚ ዓመት ብብዝሒ ዜግነት ናይ ሆላንድ ዝወሰዱ ድምጺ ስደተኛታት ንምርካብ ትጽዕር ከምዘላን፡ ኣብ ባይቶ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ፡ ኣድልዎ ኣብ ስራሕን ትምህርትን፡ ንምውጋድን፡ ማዕረ ዕድላት ንምፍጣርን ከምእትጽዕር መብጽዓ ኣትያ ትጐስጉስ ከምዘላ ብተወሳኺ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የብርህ።
እዘን ክልተ ተወዳደርቲ መምስ ሰልፈን ኮይነን፡ ኣብ ቁጽሪ ተርታ 17ን 34ን ብምሓዝ ይወዳደራ ኣለዋ።
ሆላንድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 5 ዓመት ዝካየድ ባይቶኣዊ ምርጫ፡ ኣስታት 1579 ተወዳደርቲ ክህልዉ ከለዉ፡ 37 ሰልፍታት፡ ን 150 ወናብር ባይቶ እታ ሃገር ንምሕዛእ ይወዳደሩ ከምዘለዉ ይፍለጥ።