ኣመሪካ፡ ንግብጺ ኣስታት 200 ሚሊዮን ዶላር ዝበጽሕ 168 ዘመናዊ ሚሳይላት ክትሽጠላ ኣፍቂዳ። እዞም ዘመናዊ ሚሳይላት ብ ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ክዕጠቁ ሙኻኖምን ን ወሰናሰን ማእከላይ ባሕርን፡ ቀይሕ ባሕሪን ክትጥቀመሎም ዘኽእላ ምኻኖ ተፈለኢጡ ይርከብ።
እዚ ምፍቃድ መሸጣ ዘመናዊ ሚሳይላት፡ ኣመሪካ ን ሱዑዲ ዓረብን፡ ኢማራትን ኣብ ጉዳይ የመን ንዝገበርኦ ኲናት፡ ዝግበር ዝነበረ ሓገዝ ጠጠው ክተብሎ ምውሳናን ን ኢማራት፡ ብዝሓለፈ ምምሕዳር ኣመሪካ ክሸየጠላ ተወሲኑ ዝነበረ ናይ ነፈርቲ ውግእ ዳግመ ግምት ክትገብረሉ ሙዃና ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።
ዞባ ማእከላይ ምብራቅ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ተፋሰስ ኒልን፡ ሓያል ምትፍናን ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ግዜ፡ እዚ መሸጣ ኣጽዋር ተወሳኺ ሻቁሎት ክፈጥር ከምዝኽእል ይግመት።