እዚ ጽሑፍ ብምናብ ማለት ብሓሳብ ዝተገብረ ብምኻኑ ንማንም ዉልቀ ሰብ ዝምልከት ኣይኮነን፡፡
*ብመጀመርያ ካብቲ ዘሎካ ጻዕቂ ስራሕ ግዜ ሂብካ ነዚ ቃለ መሕትት ፍቓደኛ ብምኻንካ ከመስግነካ እፈቱ?
–“ምምስጋን ኣየድልን’ዩ ደሓር ከኣ ስራሕና እኮ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብካሉ ወጺኻ ምዝራብ’ዩ’’፡፡
*እ! ይቕሬታ ናይ ምድላዉ ግዜ ኣይሃብኩኻን ማለተይ’የ?
–“ንምንታይ ክዳሎ ኣነ ኩሉ ግዜ ምስተዳለኹ እየ ፡ ክገርመካ ብዙሕ ዝዳሎ ሰብ ኣይኮነኩን ”
* ማለትካ ኣይተረድኣንን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮነ ማስ ምድያ ክትወጽእ እንከለኻ ነቶም ኩሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰማዕትኻ ከይተዳለኻ ኢኻ ትቐርቦም?
–‘’ክገርመካ ተዳልየ ኣይፈልጥን ንኽዳሎዉን ግዜ የብለይን እቲ ክብሎ ዝደሊ ኩሉ ኣብ ሓሳበይ’ዩ ዘሎ’’፡
*ኦ! ዘገርም’ዩ ?እሞ ቃለ-መሕተትና ክንጅምር’ዶ ፡፡ብሽምካን ድሕረ ባይታኻን’ዶ ክንጅምር?
–‘’ስመይ’ኳ ብዙሕ ኣድላዩ ኣይመስለንን ኩሉ ሰብ ስለ ዝፈልጠኒ’’፡
*ዋላ ብዙሓት ይፍለጡኻ እንበር ነቶም ዘይፈልጥኻ ስምካ ምግላጽ ንምንታይ ዘይደለኻ?
–‘’ ስለ ዝይደለኹ እኮ ኣይኮነን በቃ ይፈልጡኒ እዮም’’
*ሕራይ ናብ ድሕረ ባይታኻ ክንምለስ?
–‘’ክገርመካ ገና ካብ ቆልዓይ እንከለኹ ኣደይ ንፉዕ ተዛራባይ ከምዝነበርኩ’ያ ተዕልል ፡ ደሓር ምስ ዓበኹ ዘማዕበልክዎ ኣብ ገዛዉትና ነቶም ዘራይ ዘይብሎም ይዘርየሎም ነይረ፡ ኣብ ኣገልግሎት ደፊሩ ዝዛረብ ካብ ጋንታና ሙሉእ ኣነ ጥራይ ነይረ፣ ደሓር ሻዕብያ ክልተ ግዜ ኣሲሮምኒ፡ ኣብ መወዳእታ ወዲ ሓወቦይ ተስፋ ስለ ዝሃበኒ ንሱዳን ወጺአ ድሕሪ ክንደይ መከራ ኣብዚ እነኹልካ’’
*[ብዛዕባ ትምህርትን ኣበየነይቲ ከተማ ወይ ዓዲ ዓብዩ ደጋጊመ ሓቲተዮ መልሲ ክህበኒ ስለ ዘይከኣለ ናብታ ትቕጽል ሕቶይ ቀጸልኩ፡፡]
*ሕራይ እስኪ ብዛዕባ ሙዚቃ ነዕልል?
–‘’ ሙዚቃ! ክገርመካ ደርፊ ናይ ገድሊ ከጸልለኒ’ዩ ዝደሊ ! ኣብ ዓድና’ኮ ድሕሪኦም ደረፍቲ ኣለዉ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ?’’
*ግና ብምንታይ መዐቀኒ ከምኡ ትብል ካብዞም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ደረፍቲ የለዉን ምባልካ ኣይደፈርካን?
–“እዚኮ ድፍረት ኮነ ፍልጠት ዘድልዮ ኣይኮነን እዞም ናይ ሎሚ ደረፍቲ ብዙሕ ዝስሕቡኻ ኣይኮኑን”
*ዝኾነ ጥበብ እኮ ንሕድሕዱ ዝበላለጸሉ መዐየሪ ኣለዎ ንስኻ በየናይ መዓየሪ ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ?
–‘’ሎሚ ደርፊ የሎን ቀደም ነይሩ ደርፊ’’፡፡
*[ብዛዕባ ሙዚቃ ሃገርና ዘልዓልናዮ ጉዳይ ብዙሕ መብርሂ ከይሃበኒ ናብ ዝቕጽል ሕቶይ ክከይድ ኣዘዘኒ’ሞ ቀጸልኩ።] ጽቡቕ ቅድሚ ናብቲ ቀንዲ ሕቶይ ምኻደይ ‘’ ዘንብቡ ይመርሑ ’’ ዝበሃል ኣዘራርባ ኣሎ’ም እስኪ ካብ ዘንበብካዮም መጻሕፍቲ ዝመሰጡኻ ኣካፍለና?
–‘ ቅያ ዓሰርተዉ ሸሞንተ ደቓይቕ’’፡
*ስለምንታይን ብኸመይን ኣክቲቪስት ክትከዉን ክኢልካ ?
–‘ክገርመካ ኣብታ ማሕበር ናይ ደቂ ዓድና ጽቡቕ ክዛረብ ዝሰምዑኒ ስለምንታይ ኣብ ፈይስ-ቡክ ወጺኻ ዘይትዛረብ ምስበሉኒ እስኪ ዘይፍትኖ ኢለ ሓንቲ መዓልቲ ኣይወጸልካን ብላይክን ኣጆኻ ዝብል ኮመንትን ምልእ ምስበለት ዘይቅጽሎ ኢለ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩትዩብ ኮነ ፋይስቡክ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰዓብቲ ኣለዉኒ’’
*ማለትሲ ኣብ ማሕበራዊ ምድያ ወጺኻ ክትዛረብ እንከለኻስ ዕላማ የድልየካ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብዛዕባቲ ክትብሎ ወይ ክተሕልፎ ዝደለኻ መልእኽቲ ብዙሕ ኣፍልጦን ምርምርን ይሓትት፡ ብወገንካ ዕላማኻ እንታዩ ብዛዕብኡ’ኸ መጽናዕቲ ተካይዶ?፡ [ክሳብ ዝስንብድ ዓዉ ኢሉ ሰሓቐሞ ንምንታይ ስሒቑ ከይተረድኣኒ ምስኡ ስሓቕኩ]
–‘እስኪ ካብቶም ብዙሕ መጽናዕትን ምርምርን ጌርና ኢሎም ቻነል ዝኸፈቱ ክንዲ ናተይ ሰዓብትን ተኸታተልትን ዘለዎም ኣምጻለይ’
*[ብርግጽ ፈጺመ ኣይሓሰብኩሉን ነበርኩ’ሞ ግር በለኒ ብዝኾነ ብምባል ናብ ሕቶይ ቀጸልኩ] ፡ ብዝኾነ ኣብ መደብካ ተቕርቦም ሓሳባት ከመይ ዝበሉ እዮም?
–‘ብዙሕ ግዜ ኣብተን ካልኦት ሶሻል ምድያ ዝተዘርበ ብምምላስ’የ ዝበዝሐ ግዜይ ዘሕልፎ’
*ክንደይ ሰዓትን መዓልትን ኣብ ሰሙን ተቕርብ መደብካ?፡
–‘ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ኣርባዕተ ማዓልቲ ኣለኹ ንሰለስተ ሰዓት ዝኣክል ሕጂ ግና ይዉሕደኒ ስለ ዘሎ ማዓልታት ኮነ ሰዓታት ከይወሰኽክሉ ኣይተርፍን’የ’፡፡
*ዝሓዝካዮ ሓደሽቲ መደባት ኣሎካ ማለት ድዩ?’
–ሓደሽቲ መደባት ዝሓዝክዎ የለን እንተኾነ እቶም ኣብቲ መደበይ ሓሳብ ዝህቡ ስለ ዝበዝሑ ሰብ ሓሳቡ መታን ክገልጽየ መደባተይ ከስፍሖ ዝሓስብ ዘለኹ ማለተይ ኣሳታፊ ንምኻን’፡
*ኣብዝሓለፈ መደብካ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ንህዝቢ ኤርትራ ወኪልካ ትዛረብ ኔርካ ንምኻኑ ንስኻ ብዉልቅኻ ሓሳብካ ክትገልጽ ትኽእል ኢኻ ንህዝቢ ሙሉእ ወኪልካ ክትዛረብ ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ?
–‘ ኣነ’ኮ ኤርትራዊ እየ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ እፈልጦየ ስለዚ ክዛረብ መሰለይ እዩ’፡
*ጽንሓኒሞ ኣብዚኣ፣ ነቲ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ትፈልጦ ኢኻ?
–‘ከምኡ ማለተይ ኣይኮነን ድሌቱ ፍሉጥ’ዩ ማለተይ እየ’፡
*ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ እዋን ጥራይ’ዩ ድሌቱ ተሓቲቱ ንሳ ድማ ረፈረንዱም ከድምጽ ብድሕሪኣ ግና ንዝኾነ ጉዳይ ድሌቱ ተሓቲቱ ኣይፈልጥን፣ እንተድኣ እዞም ብደገ ዘለኹም ኣክቲቪስት ንሕና ንፈልጠልካ ኢልክሞ ካብቲ ንቃለሶ ኣለና እትብልዎ ህግድፍ ብምንታይ ትፍለዩ?
–‘ ንሕና’ኮ ደለይቲ ፍትሒ ኢና’፡
*ጽቡቕ ኣሎኻ ሕቶይ ካብ ህግደፍ ብምንታይ ትፍለዩ፡
–‘ ዝፈልየና ብዙሕ ኣሎ’፡፡
*[ደጋጊሙ ካብ ብዙሕ ኣሎ ብዝሓለፈ ብዝርዝር ክገልጸለይ ስለ ዘይከኣለ ንሕቶይ ክሰግራ ተገደድኩ፡፡] ኣብ እተቕርቦም መደባት ጸርፊ ተዘዉትር ስለምንታይ?፡
–‘ኣነ’ኮ ብዙሕ ኣይጻረፍን እየ ካብቶም ካልኦት ዝሓሽኩ እየ’፡
*ዋላ ብዙሕ ኣይኹን ስለምንታይ ጸርፊ ትጻረፍ እንተኽኢልካ ነቲ ክትምልሰሉ ዝደለኻ ሰብ ኣብ ክንዲ ምጽራፍ ብሓሳብ ዘይትምልሰሉ?
–’እዚኣ ጽቡቕ ኣሎኻ ብዙሕ ግዜ ፈቲነ ክዕወት ኣይክኣልኩን ንመጻኢ ከመሓይሻ ክፍትን እየ’፡፡
*ቃለ መጠየቕይ ክቕጽል’ዩ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ሓድነት ፡ምህናጽ ሀገር ፡ማዕርነትን ተራ ድይስፖራ ኣብ ቃልስን ዝብል ሒዘልኩም ክቐርብየ ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቅነ፡፡