back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

እንተትሕተቱስ ኣየነይተን ምመረጽኩም ባጽዕ ቀደም ዶ ባጽዕ ሎሚ ?

     ዝኽሪ 31 ዓመት ብዝመጾ እንቋዕኳ ….

31 ዓመታት ብመብጽዓ ዝተላገጹላ ከተማ…መደርቲ ግን ዘይሰራሕቲ ዝመርሕዋ ሃገር ኤርትራን ወደባታን።

ባጽዕ ኣብትሕቲ መግዛእቲ ዶ ኣብትሕቲ ህግደፍ ትምዕብል ?

ዋላ እኳ ናይ 31 ዓመት ፍልልይ ግዜ እንተሃለወ እታ ኣብ ግዜ ደርጊ ምስ ህዝባ ፉሕፉሕ ትብል ዝነበረት ባጽዕሲ ከምቲ እቲ ጉሒላ መራሒ ህግደፍ ዝመስከሮ  ባጽዕ የላን። ቀደም ንእሽተይ ከለኹ ሰብ ጥራይ እዩ ዝኣርግ ዝመውት ዝመስለኒ ዝነበረ ፣ሎሚ ግን ከተማታት’ውን ኣሪገን ከምዝሞታ ይግንዘብ ኣለኹ። ብዙሕ ዝኽሪ ስለዝኾነ ካብቶም ኣብ ግዜ ኣስተርእዮ ምስ ስድርኦም ረጋቢት ሒዞም ዝመጹ ዝነበሩ ደቂ ጊንዳዕ ክሳዕ እተን ክንደይ ኣትየን ኢልና ንቆጽረን ዝነበርና ኣውቶቡሳት ገያሾን ይዝክር። ኣሽሓት ገያሾ መጺኦም ከተማ ከዕለቅልቅዋ ሎሚ ኮይኑ ይረአየኒ። ካብ ከበሳ ዝመጹ ኣጋይሽ ኣዝማድ ንንግደት ነፍስወከፍ ገዛ ነቲ በዓል ከተስተማቅሮ ካብ ዝገብሩ መማቅርቲ ኣስተርእዮ ማርያም ባጽዕ እዩ ዝነበረ።

ባጽዕ ኣብ ቅድሚ ምሕራራ ዝነበረ ናይ ስራሕ ዕድላት ፣ካብቶም ካብ ወደብ በብስዓቱ ሰሪሖም ዝኣትዉን ዝወጹም ዝነበሩ ( ወደብ ናይ 24 ሰዓታት ) ኣገልግሎት ዝህብ ናይ ኩሎም ክኢላታት ነጸብራቅ ስራሕ ዝረአየላ እዩ ኔሩ። ናይ ማሪታይም ሰራሕተኛታት፣ሓይሊባሕሪ(ባህር ሃይል ብናይሽዕዑ) ፣ቸሜንቶ ፋብሪካ ፣ሰሊና ፣እንዳበረድ፣እንዳ ዓሳ ካብቶም ዝጥቀሱ ዓበይቲ ትካላት እዮም ኔሮም። ሎሚ ኣበይ ኣትዮም ንኣንባባይ ክሓስበሉ ክገድፎ።

ካልእ ባጽዕ መስሕብ ቱሪስትን ቱሪዝምን ኮይና፡ እቲ ዝዝክሮ ከምዘን ኣብ ኤውሮጳ ንርእየን ዘለና ኣየር ኮንድሽን ዘለወን ኣውተቡሳት ናይ NTO ዝበሃል ትካል፣ ኣጋይሸን ሒዘን ዓርቢ ናይምሸት ተበጊሰን ካብ ኣስመራ ባጽዕ ይሓድራ። እቶም ኣጋይሽ ንዕረፍትን ንምዝንጋዕን ዝመጹ፡ እቲ ምስተን ኣውቶብሳት ብሓባር ዝሕዝዎ ሆቴል ቀይሕ ባሕሪ ወይ ዳህላክ ኮይኑ ፣ንምዝዋር ከኣ በብዝጥዕሞም ይዛወሩ። ኣብያተመግብን መስተን ከም ምስርሖም ኣብኡ ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድል ካልእ ተወሳኺ ኩነት ኔሩ።

“ነበር ባይሰበር ” ድዮም ዝብሉ ኣምሓራ። ዝዝክሮስ እቶም ጉብዝ ዝበሉ ደቂ ገዛውትና መተዓብይትና ዓሳ ጀሊቦም ( ገፊፎም) ንኣታዊ ስድራቤታቶምን  መሐሸሺኦም ይሰርሑ ምንባሮም’ዩ። ሎሚ መቸም ኣይኮነን ምጅላብ ፣ምሕንባስ ዘይክእል ወዲባጽዕ ክርእይ ኣይድንጽወንን። ንዘለካ ሃብቲ ዘየርእይ ስርዓት እንድዩ ገጢሙና። ካልእ መስሓብ ቱሪዝም እተን ዓርቢ ምሸት ዝኣተዋ ኤንቲኦ ኣውተቡስ ኣጋይሸን ሒዘን ናብቲ ኣዝዩ ጽሩይ ገማግም ጎርጉሱም የቅንዓ ኣብኡ ሬስትራንት ምስዚ ኣብዚ ኤውሮጳ ዘሎ ዝወዳደር ጽባቀን ኣገጋግሎትን ዝህብ ዝነበረ ክልተ ዓበይቲ ሆቴላት ኔሩ። ሕምብስ ውዒሎም ሻወሮም ጌሮም፣መግቦም በሊዖም ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ጥዑም ንፋስ እናትሃርሙ ይዘናግዑ። ኣማስይኦም ከኣ ዳንስማርያ፣ቶሪኖ፣ወደብ ክበብ፣ዳህላክ  ….ክስዕስዑ ይሓድሩ ።ተቀዛዘዩ ኔሩ ብቋንቋ ደቂ ግዜ ……

ትምኒተይ ትምህርተይ ወዲአ ፣ስረሐይ ሒዘ እቲ ንሶም ዘስተማቅርዎ ዝነበሩ ምቾት ምስትምቃር እዩ ዝነበረ ፣ግን ባህጊ ኮይኑ ኣብ ኣእምሮይ ተሪፉ። ሎሚ ስደተኛ’የ ፣ሕልመይ ምለሱለይ፣ባህገይ ሃቡኒ ምበልክዎም ግን ዝሰምዑ ኣይሓዝዎን ባህግና።

“ባጽዕ ላ ዓባይ …” ድዩ ዝብል ወድሸኽ ። ባጽዕ ከም ሰብ ኣሪጋ ” ባጽዕ ኣላ ሎሚ ? የላን ?” ዝብል ኣረሜን ዝመርሓ ሃገር ኣካላ ኮይና ነበረያ ነበረ ኮይና። “ኮራለይ ” እናሉ ዝደርፉ ኮራል ርእዮም ዘይፈልጡ ፣ገማግም ባሕርን ሃብቱን ዘይፈልጡ ደረፍቲ ኸኣ ንሰምዕ ተውሳኾም ኣበይ ክረኽብዎ ኮራል ዑንቂ ባሕሪ….።

ብዙሕ ዝኽሪ እንድዩ ናይ መባእታ ተመሃሮ ኮይና ናይ ኢድ ስራሕ መማህራና ጀበና ሰሊምና ብዕንቂ ይእዝዙና ስለዝነበሩ ካብቲ ገማግም ኬድና ኢና ነምጽኣሎምን ንሰርሖን ኔርና።

ፍዮሪ ባሕሪ ካብቲ ቀረባታት ባሕሪ ኣውጺና፣ሑጻ ንቀብሮ ፣ሻሽ መሲሉ ዝድነቅ መልክዕ ዘለዎ ጌርና ኣጽሪና ንሓጽቦ ንመመሃራና ነረክቦ፡ ነጥቢ ይወሃበና። ሎሚ ፍዮሪ ባሕሪ ዘይፈልጥ ተመሃራይ ባጽዕ ተረኣኹም ኣይትገረሙ። እቶም ሳሆ፣ካብ በዓል ሕርጊጎ ዝመጹ፣እቶም ደንከል ንብሎም ዝነበርና ዓፋር፣እቶም ቀንዲ ደቀባት ባጽዕ ትግረ ኣዝዮም ጥዑማት ለወሃትን ፈቃራትን ብግዜ ሮሞዳን ሳምቡሳ ምስ ደቆም ተመናጢልና ዝዓበናን ሎሚ ኣበይ ክንረኽቦም?

ካልእ ከተማ ባጽዕ እቶም ሽዕኡ ዝነበሩ ዝዝክርዎ ውዕዉዕ ናይ ስፖርት(ኵዕሶ እግሪ)  ጋንታታት ኔረን ።ነዚ ሎሚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተገዚኦም ዝርእየን ዘመሳስለን ካብ ኣስመራ ተጻወትቲ ኵዕሶ መሪጸን ዝገዝኣን ዘሰልፋን ጋንታታት ኔረን።ካብ የመን ከይተረፈ  ዝመጹ ብሉጻት ተጻወትቲ ኵዕሶ ኣይርሰዖምን …እቲ ምንታይ ብጸወተኦም፣ብኽእለቶም፣ብቅለዓቶም ውሕሉል ጸወተኦም ተሰራሲረ’የ ። ንምዝካረን ዝኣክል ዘርኣይደረስ፣ወደብ፣ሓይሊባሕሪ (ባህር ሃይል ብናይ ሽዑ)፣ ነበልባል ናይ ሰራዊት ጋንታ ፣በዚ ዙላ ዝመጹ ኔሮም ደሓር’ውን ቸሜንቶ ፋብሪካ ዝበሃላ ጋንታታት ኔረን። “ነበር ባይሰበር” …..

እቶም ናይ ሽዕኡ ተጻወትቲ ኵዕሶ ካብዞም ኣብዚ ካልኣይ ሃገረይ ዘለዉ ዘይሰንፉ’ዮም ኔሮም ንዓይ ። ብቅዓቶም ፣ቁመንኦም ኮታ እንታይ ይወጾም ። ሎሚ ኵዕሶ ይጻወት ኔሩ ዝበሃል ዝጸምአ ነብሲ ክትርእይ እዋእ ብኸመይ ኵዕሶ ይቀልዕ። ን 90 ደቂቅ ዝኸውን ፊያቶኸ ካበይ የምጽእ ሕርብት ይብለካ እሞ ምሕሳብ ተሃክይካ ትገድፎ። ኣይትሕተት ከይትሕተት እዩ ነገሩ ። ዓሳ ዘይበልዕ ወዲ ባጽዕ ፣ጨና ባሕርን ፣ጨና ዓሳን ዘይፈቱን ዕግርግር. ዝብሎን ምስማዕን ምርኣይን ንቡር ኮይኑ።

 

ክውስኽ ኣብዚ ዝነብረሉ ሃገር ኣብ ዝኸበረ ሬስቶራንት ዝርከብ ጋምቤሪ ከም ብሉጽ መግቢ ፣ኣብ ዱኳናት’ውን ብቁንጣሮ ብኣርባዕተ ሕሙሽተ ፖውንድ ዝሽየጥ ቀደም ደቂ ገዛውትና ለይቲ መርበቦም ዘርጊሖም ገፊፎሞ ሓዲሮም፡ ቀትሪ ንዓበይቲ ዓሳ መትሓዚ ይጥቀምሉ ምንባሮም ይዝክር ፣ሎሚ እንተዝኸውን ምነገርክዎም ግን ሽዕኡ’ዩ….።

ዝኽረይ ብዙሕ’ዩ ግን ይኣኽለኒ ንስኹም ኣብዕሉ ኣነግን ምስ ዝኽረይ ክቃለስ ግደፉኒ ……

ምጭውቲ ከተማ ባጽዕ በቶም ብዓረርን ውግእን ክትዝከረሎም ናብ በረውረው ትብል ከተማ ክትቅየር ኣብ ዓመት መጺኦም ዝምድሩላን ዝደርፉላን እምበር ምንጪ ሃብቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ክትከውንስ ኣይተዓደለትን ። ዝኽሪ ሎሚ ዓመት ምሕራር ባጽዕ ከመይ ኔራ፡  ከመይ ኣላ ፣ህዝባኸ ኣበይ ኣሎ ክብል እምበር ፣ፈንቅል ፈንቅል ክብልስ ኣየምሕረለይን።

እቶም ኣብ ምሕራራ ዝተሰውኡን፣ዝሞቱ ሲቪልን መተዓብይተይን ፣ ምስ ሓወይ ሓዊስካ ዝኽሮም ንዘለኣለም ኣብ ኣእምሮይ ክነብርዩ’ዩ ፣እንተ ባጽዕ ግን ዳግማይ ክትህነጽ ክርእያ ብደቃ ይብህግ።እምበር ሕጅስ ኣይግድን 31 ዓመታት ብመብጽዓ ዝተላገጹላ ከተማ ኮይና ኣላ ።

እታ ድሕሪ ኣስተርእዮ ዝተተኮሰት ጥይት ንራህዋን ሰላምን፣ዝሓሸ ናጽነትን ክትከውን ዝተጸበናያ በንጻሩ ኮይና ሕልምና ተቆጽዩ ፣ስደት’ውን ሰፊርና ።

እዚ’ዩ ‘ቲ ዘሎ ካልእ መዓስ ኣሎ …

ዝኽሪ እዩ ዝቀትል ፣ከይቀትለና ኢና ንዝርግሖ እምበር ሰብሲ ዳርጋ ቀደም ኔሩ ኾይኑ ኣብ ካልእ ፋንታዝያ እዩ ዘሎ።

ዝኽረይ እባ ምለሱለይ በጃኹም ….

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles