ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ተፈናቐልትን ምሕጋዝ ካብ ዘድልዮ፡ 323.1 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ፡ ሸውዓት ካብ ሚእታዊት ጥራሕ ከምዝረኸበ ብምሕባር ነዞም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ንምሕጋዝ ናይ ዘድልዮ ባጀት ሕጽረት ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ቀዳም ለካቲት 13 ኣብ ዝወጽኦ ጸብጻብ እቲ ትካል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ሓደ ሚልዮን ዝጽጋዕ ኣሃዝ ስደተኛታት ከምዘለውን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝለዓሉ ግርጭታት ካብ መረበቶም ዝፈናቐሉ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከምዘለዋን፡ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስደተኛታት ድማ ነዚኦም ሰባት ንምሕጋዝ ዘድልዮ ባጀት ሕጽረት ኣጋጢምዎ ምህላዉ ኣብሪሁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብምዕቋብ መበል ሳልሰይቲ ትስራዕ ሃገር ከምዝኾነትን፡ በዚ መሰረት፡ ብብዝሒ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዙ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳናውያን ክኾኑ ከለው፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ መበል ካልኣይ ደረጃ ዝተሰርዑ ከምዝኾኑ እቲ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።
ብዘይካ’ዚ እዚ ካብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ትግራይ ብዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሓደሽቲ ተፈናቐልቲ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ነቲ ን ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣጋጥምዎ ዘሎ ናይ ባጀት ሕጽረት ከጋድዶ ከምዝኽእል ይእመት።
ኣብ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ምኢቲ ሽሕ ኤርትራውያን ከምዘለዉን፡ ካብ’ዚኦም እቶም ዝበዝሑ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተደኮና መዓስከራት ስደተኛታት ተዓቚቦም ከምዝጸነሑን፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ክልል ዓፋርን ዝተፈላለያ ከተማታትን ኢትዮጵያን ምህላዎም ትካላት ስደተኛታት ናይ’ታ ሃገርን፡ ጸብጻባት ትካላት ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ ዘውጽእዎ ሓበሬታት ይፍለጥ።