back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ኩነታቶም ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ምህላዉ ተሓቢሩ

ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውሕስነት ህይወቶም ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳኸፍአ ይኸይድ ከምዘሎ፡ ሰቲት ካብ ሱርባና ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምሕጋዝን፡ ኩነታቶም ኣብ ምክትታልን ዝነጥፍ ዘይመንግስታዊ ትካል ካብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።
እቶም ስደተኛታት፡ ሕጋዊ መንበሪ ወረቐቶም ዕለተ ምሕዳስ ምስ ኣኸለ፡ ከሕድስዎ ከምዘይከኣሉን፡ ኣብታ ሃገር ናብ ዝርከብ ቤትጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR ) ደዊሎም፡ ጉዳዮም ክሓትሉ ኣብ ዝፈተኑሉ ሰማዒ ስኢኖም ከምዘለዉ እቶም ስደተኛታት ን ትካል ሱርባና ኣፍሊጦም። ብሰንኪ ሕጋዊ መንበርን፡ መንቀሳቐስን ዘይምህላው፡ ኣደዳ ማእሰርትን ንዝተፈላለየ ዓመጽን ተቓሊዖም ምህላዎም ዘፍለጠ እቲ ትካል፡ ብቁጽሪ ብዙሓት ተኣሲሮም ከምዘለዉን፡ ናይ መግብን ማይን ሕጽረት ኣግጢምዎም ከምዘሎን ብተወሳኺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓደ መንእሰይ ኤርትራዊ ስደተኛ ብ ዕለት ትሽዓተ የካቲት፡ ኣብ ቱንዝያ ከም ዝዓረፈን ሓመድ ኣዳም ከም ዝለበሰን፡ ትካል ሱርባና ኣብ ቱንዝያ ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ስደተኛታት ዘረኸቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ ።
ኣብ ቱንዝያ ኣትዮም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ካብቲ ኣብ ሊብያ ዝወረዶም ሓደጋ ንክዕቆቡ ናብ ቱንዝያ ከምዝኸዱ ዝፍለጥ ኮይኑ ፡ እንተኾነ ግን ውሕስነቶም ኣብ ዘየተኣማምን ኩነታት ስለዘሎ፡ ብዓቅሊ ጽበትን፡ ተስፋ ምቑራጽን ንሊብያ ይምለሱ ከምዘለው እቶም ስደተኛታት ገሊጾም።

ትካል ሱርባና ንኩሎም ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ግዱሳትን ሰባትን፡ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR )፡ ኤምባሲ ግብጺ ኣብ ትቕመጡለን ሃገራትን፡ ወከልቲ ከባቢኹምን ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ ሃገራት ትነብሩለንን፡ ኤለትሮኒካዊ ደብዳቤ (E-Mail) ብምጽሓፍ ከምኡ’ውን ተሌፎን ብምድዋልን ኩነታት ናይዞም ስደተኛታት፡ ላዕልዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ይኹን መንግስቲ ግብጺ፡ ፍታሕ ከናድየሎም ክትጽውዑ ትካል ሱርባና ትምሕጸን ክንል ነቲ ትካል ኣብ ዝተወከስናሉ ግዜ ገሊጹ።

ኣብ ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ላዕልዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (UNHCR)፡ ኣብ ኣሰራርሓን ጉዳያቶም ኣብ ምስልጣን ዘለዎ ሽግራት ንምቅዋም ሰልፊ ዝወጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ግብጺ ንገለ ካብኣቶም ኣሲርዎም ምንባሩ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles