ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ (CDC)፡ብረቡዕ 10 የካቲት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰዱ ሰባት ነቲ ቫይረስ እንድሕሪ ተቓሊዖም ምውሻብ ከምዘየድልዮም ኣፍሊጡ። ማሕበራዊ ምፍንታትን፡ ናይ ኣፍ መሸፈኒ (ማስክ) ምጥቃምን ግን ከዘውትሩ ከምዝግባእ ብተወሳኺ እቲ ክፍሊ ገሊጹ።
ምውሻብ ብዙሕ ግዜ፡ ውልቀ ሰባት ንኮቪድ 19 ምስ ዝቃልዑ፡ ንምትሕልላፍ ናይ’ቲ ቫይረስ ንምዕጋት ተባሂሉ ዝግበር ሜላ ኮይኑ፡ ክታበት ኮቪድ ምሉእ ብምሉእ ዝወሰዱ ሰባት፡ ካብ ዝኽተቡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ዝኾነ ምልክታት እንተዘይኣርእዮም ምውሻብ ኣየድልዮምን ክብል ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብቲ ኣሐዲሱ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውጸኦ መምርሒ። ይኹን’ምበር፡ ክታበት ኮቪድ 19 ዝወሰዱ ሰባት፡ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል፡ ክሳብ ሒጂ ዛጊት ርጉጽ ከምዘይኮነ እቲ ክፍሊ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ክታበት ኮቪድ-19፡ ክልተ ግዜ ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ተኸቲቦም ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ። ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክታበት ኮቪድ 19 ምሃብ ይሳለጥ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ክሕብራ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ሰቲት ኣብ ናይ ትማሊ ዜናኣ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን፡ ኣብ ተል ኣቪቭ ኣብ ዝተኸፍተ ማእከል ክታበት ኮቪድ 19፡ ክኽተቡ ምጅማሮም ሓቢራ ምንባራ ይዝከር።