back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ኣብ እስራኤል ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ጀሚሮም

ብምትሕብባር ምምሕዳር ተል ኣቪቭን፡ ሕክምና ኢክሎቭን ካብ ዕለት 09 የካቲት ጀሚሩ፡ ክታበት ኮቪድ 19 ንሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ክወሃብ ከምዝጀመረ፡ ኣብ ሕክምና ስነኣእምሮ ሩትን፡ ሆትላይን ዘይምንግስታዊ ትካል ከምኡ’ውን ኣብ ማእከል ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ተል ኣቪቭን፡ ከም ቶርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ክብሮም ተወለደ ንሰቲት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ክብሮም ኣብ መብርሂኡ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ዝነበሩሉ ከባቢ፡ ሃጋሊ 6 ናይ ቀደም መዓርፎ ኣውቶቡስ፡ ብልምዲ እንዳባላግን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝተኸፈተ ማእከል መኽተቢ፡ ድሮ ብዙሓት ሓተቲ ዑቅባ ክኽተቡ ጀሚሮም ምህላዎም ብተወሳኺ ንሰቲት ሓቢሩ።

እዚ ክታበት ከም መቐጸልታ ሰናይ ስራሕ ናይ ምምሓዳር ተል ኣቪቭ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ማእከል ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብምትሕብባር ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪ ውጽኢቱ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ክብሮም እዚ ክታበት ካብ ኣቲናዮ ዘሎና፡ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ቀውሲ ከውጽኣና ዝኽእል ብምዃኑ፡ ኩሉ ሰብ ግዚኡ ክኽተብ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ማሕበራውን ስነኣእምራውን ተነጽሎ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ካብቶም ሓተቲ ዑቅባ ብቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ስነኣእምራዊ ሳዕቤናት ከምዘኸተለሎም ክግለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles