መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓዲ ኢትዮጵያ ገዳታት ኦሮሞን፡ ካልኦት ኣካላትን ዝሓዘ ኣብ ከተማ መቐለ ሰላም ንምስፋን ዝብል ኣብ ዘካይደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብታ ከተማ ዝተላዕለ ኣድማ ኣንጻር እቲ ዋዕላን ዘተን ሓደ መንእሰይ ካብ ወተሃደራት ካብ ዝተተኮሰ ጥይት ተሃሪሙ ከምዝሞተ ፍራንስ 24 ንሓካይም ዓይደር ሆስፒታል ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቶም መንእሰያት ኣእማንን፡ ዝነድድ ጎማ መኪናን ሒዞም ንጎደናታት ከተማ መቐለ ክዓጽውዎ ኣብ ዝፈተኑሉ ግዜ እቲ ምግርጫው ምስ ወተሃደራት ከምዝተላዕለ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ ኣብ መላእ እታ ከተማ ዝተጎድኡ ክህልዉ ከምዝኽእሉ፡ ሓካይም ንኣሾሸይትድ ፕረስ ብዙሓት ከምዝገለጽሎም ጠቂሳ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ኣብታ ከተማ ተኸፊቱ ዝጸንሐ ምንቅስቃስ ናይ ንግዲ ምዕጻዉ ዝሓበረ እቲ ዜና፡ ህዝቢ እታ ከተማ ቁጡዑ’ኡ ንምህላጽ ምኻኑ ኣብሪሁ።
ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዝርከብ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ናብ ኣሰካፊ ኩነታት ይሰጋገር ከምዘሎ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ትግራይ ምብጻሕ ዝፈጸመት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለ ወርቅ፡ መንግስቲ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ምስ ኣባላት ጸጥታን፡ ሓድሽ ምምሕዳርን ትግራይን ህዝብን ከምዝተዘራረበት ብተወሳኺ ፍራንስ 24 ኣብ ሓበሬትኡ ኣስፊሩ ይርከብ።