back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተከሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ጽልውኡን ከምዘሻቀሎ ገሊጹ

ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ትርኸሲቱ ዝርከብ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዎ ጽልዋ ከምዘሻቀሎን፡ ኣዝዩ ዘጉሂ ክብል፡ ሎሚ ኣብ ዝዘርገሕዎ ሓበራዊ ጥመረት መግለጺ ናይ ላዕለዋይ ወኪልን፡ ምክትል ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጆሰፍ ቦረል፡ ከምኡ’ውን ኮሚሽነር ዩታ ኡርፕላይነን፡ ኮሚሽነር ላይነዝ ለራንሲስ መግለጺ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብሪሆም።

ድሕሪ ኣስታት ስለስተ ወርሒ ኲናት ካብ ዝጅመር፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኸፍተ መስመራት ንሰብኣዊ ሓገዝ ንእሽተይ ብሙኻኑ፡ ነቲ ገዚፍ ሓገዝ ዝጠልብ ደልየት ከምዘይማልእ፡ ን ክስተት ሓደጋ ምውጋድ ዓጸቦ ይኹን ህይወት ምድሓን ዝግበር ጻዕሪ ንሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣዚዩ ዉሱኑን ድሩትን ሙኻኑ እቲ መግለጺ ወሲኹ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ ምዕራባውን ማእከላይን ክልል ትግራይን፡ ክልተ ማዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ክብጽሑ ዘይክእሉን ሓገዝ ንምጻሕ’ውን ከም ዘይተኻለን ይገልጹ።

ንጉዳይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣመልኪቱ፡ እቲ መግለጺ ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብ ትግራይ ነቲ ግጭት በንዚን ኮይኑ የጋድዶ ከምዘሎን፡ ግፍዒ ይፍጽም ከምዘሎን፡ ህላዌኡ ነቲ ናይ ብሄር ግጭት የጋድዶ ከምዘሎን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ንክወጽእ ብተወሳኺ ጸዊዖም።

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኩነታት ውሕስነት ስቪሊያውያን ስደተኛታትን ካብ ዝበጽሖ ጸብጻባት ብዛዕባ መጉዳእትን፡ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ መሰል ስደተኛታትን፡ ኣዝዩ ከምዝተሓሰሰቦ ወሲኹ ኣብቲ መግለጺ ኣብሪሁ።

ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዝርከብ ኲናት ዘስዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ብዋሕዲ ረዲኤትን፡ ሕጽረት መሰረታዊ ጠለባትን ዓቢ ዕንወት ከይወርድ ስግኣት ተሓዲሩ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles