back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ፈንቅል ባብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ

ፈንቅል ባብ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ፡ ዕላማ ተጋዳላይ ዕላማ ህዝቢ ኤርትራ

[dropcap]እ[/dropcap]ቲ ብክቡር ዋጋ ኣብ 1991 ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ ብግዝያዊ ጸልማት ኣይምዘንን ኢዩ። ኣብ ግዜ፣ ቅንያት ፈንቅል ፡ 20 ሰነ፡ ምዓልቲ ናጽነትን ምዓልቲ ሰማእታትን ኣብ ሃገራዊ ባዓላት እነብዕለሉ ግዝያት ቅኒት መንፈስ ኤርትራዊ ዝርብሹ ዝዝረብ፡ ዋጋ እቲ ንስለ ናጽነት ኤርትራ ብጅግንነት ንእስነቱ ን ንልእላውነት ሃገሩ ዋጋ ዝኸፈለ ዝተጋደለ ክቡር ሕብረተሰብ ኤርትራ፥ ርእሱ ከድንን ክንደይ ክንደይ ፕሮፖጋንዳ ይስራሕ እዩ።

“ወዲ ሰብ ናቱ ታሪኽ ክሰርሕ ኣለዎ እንበር ኣብ ታሪኽ ክነብር የብሉን” ዝብሃል ስነ ሓሳብ ይሳማማዕሉ እየ። ክንሓስብ ክንመራመር ዓቅሚ ስለዝተዋህበና ንቅድሚት ምጥማት ሓላል እዩ። ግን ካኣ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ታሪኽ ይኽፋእ ይጸብቅ ነናቱ ተመክሮን ትምህርትን ኣለዎ። መሰረት ሓደ ሕብረተሰብ ታሪኽ እዩ። ታሪኽ ዘይብሉ ሕብረተሰብን ሱር ዘይብሉ ገረብን ሓደ እዮም። ታሪኽና ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንዓና ዘይኮነ ዓለም ከም ኣብነት ትጠቅሶ፡ ንጸላኢ ብኣጽዋሩ ዝስዓረ፡ ህዝብን ተጋደልትን ብፍቅሪ ንሓደ ዕላማ ተበጊሱ ዝተዓወተ ጅግና ሕብረተሰብ እዩ። ኣመጻጽኣና ንምፍላጥ ውን ክስነድ ይግብኦ እዩ። ነቲ ሕማቅ ዝነበረ ኣካይዳ ክንምሃረሉ እንበር ታሪኽና ሓኺኽና ኣይንድርብን።

ንሎሚ ብዛዕባ እቲ ክካሓስ ዝግብኦ ህዝቢ ኤርትራ ሰራሒ ታሪኽ ገለ ክብል። ፈንቅል ፈንቅል ዘብሎ ሎሚ ዘለና ስለዘይጠዓመና ወይ’ዉን ኣብ ስደት ስለዘለና ዘይኮነስ ክንደይ ቀያሕትን ጸለምትን ሉል ዝኾኑ ኣቦታትን ኣዴታትን ስለ ዝወሰደ፡ እቲ ዉዕሎ መኽተም ባዕዳዊ መግዛትን፡ ዓበይቲ ቅያታትን ዝተፈጸመሉን ስለዝኾነ’ዩ። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ናብ ኣዉሮጳ ክበጽሕ ኣሚኑ ምስ ዝብገሰ፡ ናይ ዕድል ኮይኑ ኣብ መንገዲ ምስ ዝመዉት፡ ነዚ ሰብ’ዚ ንኣዉሮጳ ኣይተበገስን ንነብሱ ኮይኑ ስድርኡ ክኸውን ዕላማ ኣይነበሮን መደብ’ዉን ኣይነበሮን ዝብል ‘ንተሎ ነዚ ሰብ’ዚ መልሲ ምሃብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ጉዕዞ ዘየለ ናይ ጉዕዞ ሓርጎጽጎጽን ዕንቅፋትን ክሳብ ንዕላማኻ ሂወት ምክፋል ዘሎ ክርድኦ ኣይክእልን ኢዩ። ዕላማ ተጋዳላይ ስለ ዘይተተግበረ ውን ተጋዳላይ ይኹን ስውኣት ዕላማ ኣይነበሮም ኣይብሃልን። ዕላማ ተጋዳላይ እታ ዘይትድገም ሂወቱ ንህዝቡ ወፍዩ ህዝቡ ብሰላም ንምንባር እዩ።

ታሪኽ ኤርትራ ብመዋእል’ዩ ዝትንተን። ከምዚ ሎሚ ብዘይጠቅሙ ነጻ መሳለጥያ መራኸቢታት ረኺብካ ዝናሾ ቀሊል ታሪኽ ኣይኮነን። ወይ ካኣ እዚ ህዝቢ ስለ ዘይጥዓሞ ልክዕ ከምተን ኣይተሳዓርናን ዝብሉ ኣንድነታውያን ጀነራላት ኢትዮጵያ፡ መዳሓንትና ኣብ ዓሰብ ወይ ባጽዕ ገዲፍና ኣይንወጽእን ኢሎም ንህዝብና ሓመድ ድፋጭኡ ዘስትይዎ ጨካናት ወተሃደራት ደርጊ ዕላምኦም ምትግባር እዩ። ታሪካ ስለዝፈተኻዮ ትዕቅቦ ስለዝጸላእካዮ ከኣ ተገድፎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረት መንነትክካ’ዩ።  መሰረት ታሪኽ ዘይብሉ ሕብረተሰብ እንተስ ናይ ርሑቅ ወይ ናይ ቀረባ ግዜ የለን። ምሕባንን ዘይምሕባንን ናይ ባዕላዊ ኣቀባብላኻ እዩ። እንበር ከም ኤርትራውያን ንሕበነሉ ታሪኽ ኣለና’ና።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኣብ ጎሮቤት ሃገርና ከማን ንሓንቲ ክልል 11 ለካቲት ከብዕሉ ከለው፡ ኣይትተዓደሎ ሓደ ሓደ ደቂ ዓደይ፡ ክንደይ ሓዊ ሓዊ ዝሽትቱ፣ ፍቅሪ ጓልን ፍቅሪ ወድን ከይተታለሉ ምእንቲ ናጽነት ህዝብን ሃገርን ማህጸነን ንሃገር ዘወፈያ ነቲ ትማሊ ኣንጻር ኩሉ ወጽዓ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን በጃ ዝኾነ ጅግና ተጋዳላይ ከም ሽፍታ ክጽዋዕ፡ ከንቱ ዕላምኡ፡ እንዳበሉ ንስሙ ከናሽው ከለው ብጣዕሚ’ዩ ዘሕዝን። ወረ እታ ክልተ ሜትሮ የዕጢቃ ናጽነት ንምርኣያ ደቃ ዘፈነውት እሞ ብዘይ ምቅሊ ክሎም ደቃ ምእንቲ ናጽነት ዝተሰውእዎም ስድራኸ እንታይ ክብሉ እዮም። ወዲ ሰብ ብሕጊ ተፈጥሮ ሓንሳእ ጥራሕ’ዩ ዝነብር ።እዞም ጀጋኑ ነታ ዘይትድገም ሩሖም ከፊሎማ እዮም ሓሊፎም። ሎሚ መቃብር ፈንቂሎም ከድሕኑና ንደሊ ተለና ብሓቂ ተጋጊና ኣለና ።

እቲ ቀንድን መሰረትን ኣድላይነት ታሪኽ ንክልተ ነገር’ዩ። ንሱ ከኣ፥ መጀመርያ ሕሉፍ ብምዃኑ፡ ቅድሚ ንስኻ ምንባርካ መንነትካ እንታኡ ኔሩ ትፈልጠሉ መዝገብ ኢዩ፡። እቲ ካልኣይ ከኣ፡ ታሪክ መሰረት ኩሉ ፍልጠት ስለዝኾነ። ካብቲ ሕሉፍ ሕማቅን ጽቡቅን ፈሊኻ ትመሃረሉ ዓዉዲ’ዩ ታሪኽ። ስለምንታይ እና ነዚ ቅንያት ፈንቅል፡ ቅንያት ናጽነት፡ቅንያት 20 ሰነ ታሪክ ኣቦታትና ከም ዘይጠቅም ወይ ውን ክንዝክሮ ከምዘይብልና ዝዛረቡ? ዕላምኦም ንጹር እዩ በቃ ተስፋ ምቅራጽ እያ ።

እንብኣር ንፈንቅልን ናጽነት ኤርትራ ኣብ ግዜ ገድሊ ገባር ህዝቢ ብእኽለ-ማይ፡ ኣዴታት ከም ሓፋሽ ውድባት ምስጢራዊ ወረቃቅቲ ኣብ ጸግረን ተቆኒነን ሓቢኤን ኣብ ናይ ጠስሚ ወይ ምዓር ረቀቅቲ ስልቲ ተጠቂመን ማዕረቲ በረኻ ወጽዩ ሂወቱ ዝኸፍል  ሂወተንን ሂወት ስድርአንን ኣብ ሓደጋ የእትየን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ እንዳኣተዋ ስርሒት ዝፍጸማ፡ ትካላት ቤት መስተ ከፊተን ፈዳይን ዝሰርሓ፡ ኣንስቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮይነን ንዕላማ ሃገረን ክብላ ካብ ሓለፍቲ ናይ ደርጊ ዝፈረያ ንናጽነተን እየን። ኣነ’ሞ ክንደይ ክብሎ ዘርዚርካ ኣይውዳእን።

ኤርትራዊ ከም ሰብ ክቃወም ክድግፍ ይኽእል ኢዩ። ተቃዋማይ ምዃን ታሪኽ ምሕካኽ ዲዩ? ደጋፋይ ምዃን’ስ ነቲ ትማሊ ኣንጻር ንስኻ ትድግፎ ዉድብ ዝነበረ ተቋሽሸሉ ዲዩ? ኣይኮነን!! ናይ ራእስታት ምንቅስቃስ፡ ምንቅስቃስ ዉድባት፣ ጀብሃ ዓባይ፣ ህዝባዊ ግንባር፡ ናይ’ዚ ኩሉ ድምር ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ብዓለም ለኻዊ ሕጊ ክትፍለጥ ጌርዋ። መደምደምታ ሓሳበይ፦ ታሪክና መሕበኒና፡ መምሃሪናን ኢዩ። ንዘየለ ክተምጽእ ነቲ ዘሎ ኣይኮንካ ተጥፍእ።
ኣብዚ ጉድለት ‘ተሎ ክንወቅስ ዓገብ ክንብል፡ ነቲ ጽቡቅ ከኣ ንህዝብና ምስጋና ክንህበሉ ናይ ሕልና ጉዳ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ሃገርና እንታይ ኢዩ ጎዲልና ዘሎ ኣዳቂቅና ፈሊጥና ክንፍዉሶ ግዴታና’ዩ።

መተሓሳሰቢ፡  ወዲ ሰብ ንግዝያዊ መጽለልን መንበርን ጥራይ ዘይኮነ ዝቃላስ ንመጻኢ ውሑስ ወሎዶ ይቃለስ እዩ እሞ ቃልሲ ንውሕስን ሕጋዊት ሃገርን ምስራሕ ናትና ግደ እዩ።

ርሑስ ቅንያትፈንቅል
ዓወት፡ ሰላም፡ ፍቅሪ፡ ሓድነት፡ ፍትሒ ንህዝብናን ሃገርናን

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles