back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

“ትግራይ ቃል ብቓሉ የዕንዮማ እዮም’ ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት”

(ምንጪ ራድዮ ኤረና)

ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ – ህወሓት ኣብ 1975 ድሕሪ ምምስራቱ ኣብ ዓመቱ ማለት ኣብ 1976 ተጸምቢርዎ፡ ህወሓት ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ ምስ ካልኦት ግንባራት ብምውህሃድ ስሙ ናብ የኢትዮጵያ ህዝቦጭ ኣብዮታዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር – ኢሕኣዴግ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓደረሊ ክሳብ 2002 ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት መንግስቲ ሰሪሑ።

ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ኣብ 2002 ህወሓት ምስ ተመቓቐለን ናብ ክልተ ጉጅለ ምስ ተኸፍለን ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ፖለቲካ ብምእላይ ኣንፈቱ ናብ ትምህርቲ ኣድሂቡ፡ ኣብ 2002 ካብ ቤት ትምህርቲ ንግዲ ኣምስተርዳም ብስነ ጥበባት፡ ኣብ 2003 ካብ ኦፐን ዩኒቨርሲቲ ብምምሕዳር ንግዲ ብማስተርስ፡ ኣብ 2005 ካብ ሃርቫርስ ኬነዲ ዩኒቨርስቲ ብህዝባዊ ምምሕዳር፡ ኣብ 2018 ድማ ብሰረተ ሓሳብ ካብ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶርያ ብናይ ዶክተረይት ማዕርግ ተመሪቑ።

ኣብ ኢትዮጵያን ካብ ኢትዮጵያ ወጻእን ኣብ ናይ ምርምር ከምኡ’ውን ምምሃርን ምስትምሃርን ዓውድታት ብምስራሕ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ‘ቱፍትስ’ ከም ፕሮፌሰር ከምኡ’ውን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዳይረክተር ኢንስቲቱት ሰላምን ድሕነትን ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ተመራማሪ ሰላም ከምዝነበረ ዝግለጽ ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ‘ሕሉፍ ከምዝዓርፍ ከምዝዓርፍ ምግባር’ ‘Laying the past to rest’(ላይን ዘ ፓስት ቶ ረስት) ዝተሰምየት ንኢሕኣዴግ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንምህናጽ እተሰምየት መጽሓፍ ክሓትም እንከሎ፡ ኣብ ስምምዕ ሰላም ዳርፉር – ሱዳን ከም መንጎኛ ኮይኑ ሰሪሑ።

ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ኣብ ከተማ መቐለ – ትግራይ እንከሎ ብ3 ሕዳር ህውሓትን ሰራዊት ምክልኻል ፈደራላዊ መንግስትን ኲናት ተጀሚሩ፡ ድሒሩ ብ360 ዲግሪ ዝተኸበ ህወሓት ሓይሊ ሚዛን ስለ ዘይነበሮ ከተማታት ብምሕጋድ ናብ ጎቦታት ትግራይ ኣምሪሑ ዶክተር ሙሉጌታ ድማ እግሪ እንግሮም ስዒቡ።

ዶክተር ሙሉጌታ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ካብ ዘይተፈልጠ ጎቦታት ትግራይ ኮይኑ ምስ ‘ፋውዴሽን ሰላም ዓለም’ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ጌሩ ኔሩ፡ ንሱ ምስ ዳይረክተር ናይቲ ፋውንዴሽን ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል ኣብ ዘካየዲ ዝርርብ፡ ካብ ምጅማር ኲናት ኣትሒዙ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘሎ፡ ሰበ ስልጣን ሕውሓት እንታይ ከምዝተጋገዩ፡ ብዛዕባ ምእታዊ ሰራዊት ኤርትራን ካልእን ብዝርዝ ገሊጹ ኣሎ።

ዶክተር ሙሉጌታ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ኲናት ኣብ ልዕሊ ዝኸፈቱልና ሓይልታት ዘውረድናዮ ጉድኣት ክትገልጾ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ኔሩ ኣዝዩ ትኣምር እዩ ኔሩ፡ ኲናት ክጅመር እንከሎ ትግራይ 23 ቦጦሎኒታት ጥራይ ኔሮማ ኤርትራ 42 ኢትዮጵያ ድማ 12 ክፍልታት ኔሮማ፡ ኩሎም ኣብዚ ኔሮም እዚ እቶም ልዕሊ 10 ሽሕ ዝኾኑ ፍሉያት ሓይልታት ኣምሃራ ኣየጠቓልል እዩ ፍሉያት ሓይልታት ኦሮምያ፡ ሶማልያን ካልኦት’ውን ዘካተተ ኣይኮነን፡ እቲ ናይ መጀመርታ ኲናት ድማ ብኸምዚ ብዘይተመጠጠነ ሓይሊ ከምዝጀመረ ይሕብር።

ድሓር ግን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጺኣ፡ ኢማራት ብደብዳብ ድሮን ንህወሓት ዕጥቑ ኣፍቲሓቶ፡ ታንክታት ኣቃጺሎመን፡ ከቢድን ፈኲስን ብረት ደምሲሶሞ፡ ናይ ነዳዲ መዕቆሪን መኻዞኖታት ጸያይትን ኣቃጺሎሞ፥ ጸኒሖም ዝንቀሳቐሳ መካይን ዒላማ ምግባርን መራሕቲ ብምህዳንን ከዕንዉን ቐትሉን ጀሚሮም። እዚ ንሓይልታት ህወሓት ከመዛብሎምን ከዳኽሞምን ጀሚሩ፡ በዚ ዕጡቓት ከተማታት ገዲፎም ናብ በረኻ ከምርሑ ጀሚሮም ሓያሎ ሰባት ገለ ምስ ስድራቤቶም ስዒቦሞም። ናብ በረኻታት ክሃድሙ ጀሚሮም።

ህወሓት ንስድራቤታት ዲና ክንከላኸል ወይድ ክንዋጋእ ኣብ ዝብል ኣብ መንጎ ተቐርቒሩ፡ ድሓር መሪሕነት ውድብ ኲናት ክቕጽል ወሲኑ እቶም ንጡፋት ተዋጋእቲ ዘይኮንናን ስድራቤታትን ኣርሒቖም ኣብ ገጠራት ክሕብኡ ነጊሩና ክብል ዝገለጸ ዶክተር ሙሉጌታ ድሕርዚ ከምቲ ዝሰማዕኩሞ ዜና እዩ ውጽኢ እዝዩ ኣሕዛኒ እዩ ክብል ሓቢሩ።

ዶክተር ሙሉጌታ ንዳይረክተር ‘ፋውዴሽን ሰላም ዓለም’ ኣሌክስ ደ ዋል መግለጺኡ ብምቕጻል፡ ትፈልጥ ዲኻ ‘ትግራይ ቃል ብቓሉ የዕንዮማ’ ኩሎም ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እዮም ኣዕንዮማ፡ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝሃነጸቶ የዕንዮሞ፥ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ክልኒካትን ኣቃጺሎሞ ነፍስወከፍ ቤት ዘሪፎሞ፤ ናይ ሓረስቶት ምህርቲን ዓድታት ተሰሪቑ፥ ዝረኸብዎ ሰብ እዮም ዝቐትሉ ኔሮም፥ ንኣብነት ትማሊ ኣብ ዝነበርክዋ ንእሽቶ ዓዲ 7 ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም 21 ሰባት ተቐቲሎም ክብል ሓቢሩ።

ዶክተር ሙሉጌታ፡ ኣብ ትግራይ ኲናት ከፊቶም ዘለዉ ሓይልታት ብከምዚ እዮም ነታ ክልል ዘዕንዉዋ ዘለዉ ን30 ዓመት ዝተዋህለለ ሃብቲ ከምዝዓኑ ይግበር ኣሎ፡ ሓረስቶት ሰራዊት ብዓድታቶም እንተሓሎፎም ካብ ዓድታቶም ኣርሒቖም ክሃድሙ ይግደዱ በዚ መሰረት ዳርጋ መላእ ሃረስቶት ተመዛቢሎም ክበሃል ይከኣል እዩ ክብል ይገልጽ።

ንሱ ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብከቢድ ብምጉድኡ እታ ሃገር ብዘይ ሰራዊት ተሪፋ ኣላ ክብል እንከሎ፡ 17 ሚእታዊት ካብ ሰራዊት ተጋሩ ብምንባሮም ክጎድሉ እንከለዉን ኣብ ከም ደዴሳ ዝኣመሰለ መዓስከራት ተተሒዙም ኣለዉ፡ መብዛሕትኦም ተጋሩ ብምኳኖም ካብ ሰራዊት ተኣልዮም ወይ ተቐቲሎም ዘለዉ ወሰንቲ እዮም ኔሮም ምክንያቱ ኣዘዝትን ናይ ከቢድ ብረት ኦፕሬተራት ብምንባሮም እዚ ኣብ ኲናት ዝጠፍኡ ተሓዊስዎ ዳርጋ ሰራዊት ብሉእ ብምሉእ ተዳኺሙ እዩ ይብል።

ዶክተር ሙሉጌታ፡ ኣብ ኲናት መጀመርታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዘጥቅዑ ቀጺሎም ድማ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝኣትዉ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ተዳኺሙ ብምህላዉ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ እንተወጺኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንሒደት መዓልታት ክምክት ከምዘይክእል ሓቢሩ።

ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ‘ንገረኒ ናይ ህዝቢ ኩነታት ከመይ ኣሎ? መግቢ ክትበልዑ ትኽእሉ ኣለኹም ዶ? ናይ ሕክምና መሳለጥያታት ኣለኩም ዶ? ንሂወት ኣድለይቲ ዝብሃሉ ነገራት ከ እንታይ እዩ ዘለኩም? ክብል ሓቲትዎ።

ዶክተር ሙሉጌታ ክምልስ እንከሎ፡ ‘ብዙሕ ኣይኮነን ከምቲ ትፈልጦ ናይ ኣንበጣ ወራር ኔሩ፡ ተሓሪሱ ዝነበረ ኣእካል ተዓጹዱ ከይኣቱ ብኲናት ተሰናኺሉ እዩ፡ እዚ ቅልውላው ኣብ ግዜ ምህርቲ ምሕፋስ እዩ ተጀሚሩ፡ ሰራዊት ብፍላይ ድማ ሓይልታት ኤርትራ ናይ ሕርሻ ምህርቲ ኮነ ኢሎም ኣቃጺሎሞ እዮም፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክዕደል ተባሂሉ ዝነበረ ረዲኤት ተሰናኺሉ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ ዶባት ኤርትራ ዘለዉ ሓረስቶት ኣብ ሕደጋ ጥሜት እዮም ዝርከቡ ኣብ ቀረባ ከቢድ ዓጸቦ ክንርኢ ኢና፡ ብሓፈሻ ናይ መግብን መድሃኒትን ትሕዝቶ ኣዝዩ ኣንቆልቊሉ እዩ ክብል ሓቢርዎ።

መንግስቲ 85 ሚእታዊት መሬት ትግራይ ተቖጻጺረዮ እየ በዚ ምኽንያት ዝበዝሕ ህዝቢ ሬዲኤት ክበጽሖ ይኽእል እዩ ይብል ኣሎ እዚ ሓቂ ድዩ ተባሂሉ ክሕተት እንከሎ፡ ትፈልጡ ኢኩም ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ክጭት ኣሎ ብዝተወድሰነ ደቡባዊ ክፋል ትግራይ ጥራይ እንተዘይኮነ ኣብ ካልእ ረዲኤት ክትዝርግሕ ኣጸጋሚ እዩ መግቢ ይኹን ካልእ ሓገዝ ክሓልፍ ዝኾነ መሰረታዊ ስምምዕ ክብጻሕ እንተዘይተካኢሉ ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ክባጻሕ ኣይከኣልን እዩ ይብል።

ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል ግን ዝርርብ ክግበር እንተኾይኑ መሪሕነት ህወሓት ደሃይ ክገብሩ ኣለዎም ሰሚዕካ እንተኾንካ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሰራዊት ኤርትራ ክወጹ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምንዳይ ዝርርብ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ እዚ ክኸውን ግን መሪሕነት ህወሓት ክርከቡ እንተዘይክኢሎም ብከመይ ክኸውን ይኽእል? ክብል ሓቲቱ።

ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ብወገኑ መሪሕነት ዝተወሰነ ናይ ተሌፎን ርክባት ክገብሩ ከምዘለዉ ግን እኹል ከምዘይኮነ፡ ናይ ሳተላይት ተሌፎናቶም ከሲሮሞ እዮም እንተኾነ ‘ብሱራያ’ ዝዓይነተን ተሌፎናት ይጥቀሙ ከምዘለዉ፡ ዝኾነ ናይ ሜድያ መሳርሒ የብሎምን ይኹን ራድዮ የብሎምን እንተኾነ እቶም መሪሕነት ኣብ ቀረባዜ ግዜ ክወጹን መግለጺ ክህቡን ተስፋ ከምዘለኦ ይገልጽ።

ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋል ሕትኡ ብምቕጻል ሕወሓት እንታይ እዩ ዕላምኦም? እንታይ እዩ ፖለቲካዊ ሕቶኦምን ኣጀንደኦምን? ማለት ወላ ክዘራረቡ እንተኾይኖም እንታይ እዩ ክኸውን ናይ መዘራረቢኦም ነጥበ መበግሶ? ናይ በዓል ስዩም መስፍን ኣባይን ኣስመላሽን ከ ሰሚዕካ ዲኻ ኣብ ምንታይ እዮም ተቐቲሎም ኣብ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኢሉ ክሓትት እንከሎ፡

እወ መሪሕነት ሕወሓት ወጺኦም ክዛረቡ ድፍኢት ይግበረሎም ኣሎ ክወጹ ተስፋ ይገብር፡ እንተቲ ናይ ብዓል ስዩም ኣቀታትላ ኣብ ሓደ ገጠር እዮም ረኺቦሞም ናይ ተኹሲ ልውውጥ ኣይነበረን ብዓል ስዩም ብረት ኣይነበሮምን፡ ረኺቦም ቀቲሎሞም ክብል ገሊጹ። ህውሓት ብዙሕ እዮም ክገብሩ ዝኽእሉ ኔሮም ናይ ኢሰያስን ኣቢይን ናይ ኲናት ኣንፈት ተረዲኦም ናብ ሱዳን ከስግርዎ ዝኽእሉ ነገራት ኔሩ። ጌጋ ግምት ተዋሂቡ፡ ፖለቲካዊ ስትራተጂ ኣይነበረን፡ ናይ ርክብ ስትራተጂ ኣይነበረን ህውሓት ውጥን ከውዕኡ ብዙሕ ሰብ ይልምኖም ኔሩ ግን ወላሓንቲ ኣይገበሩን ንትግራይ ድማ ኣብዚ ደረጃ ኣውዲቖማ እንታይ ክበሃል ይከኣል ክብል እቲ ዶክተር ይገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትግራይ ብዙሕ ዝሓረቐን ዝተቖጠዕን ኣሎ፡ ሓደ ምርጫ ጥራይ እዩ ዘሎ ንሱ ድማ ምውጋእ እዩ እቲ ኲናት ሕጂ እዩ ዝጅምር ዘሎ፡ ኩሉ ክዓጥቕ እዩ ዝደሊ ዘሎ ብዝኸድካዮ ኩሉ ኣዕጡቕና እዩ ዝብል ዘሎ ሕወሓት ናይ ሰብ ሕጽረት የብሉን ዝተቖጥዑ ሰብ መሊኡ እዩ ዘሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ዘርኢ ምጽናት እዩ ዝካየድ ዘሎ ይቕተሉ ስለ ዘለዉ ኣማራጺኦም ኲናት ጥራይ እዩ። እቲ ምቕታል ብኩሎም ወገናት እዩ ዝካየድ ዘሎ ብፍላይ ድማ ብናይ ኤርትራ ወተሃደራት ይብል ዶክተር ሙሉጌታ።

ንሱ ብተወሳኺ፡ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ናይ ኤርትራ ሰራዊት ኣብዚ ክጸንሑ እዮም ምኽንያቱ ብገለ ካብ ኣዘዝቲ ክሳብ መዓስ ኢና ኣብዚ ክንጸንሕ ተባሂሉ ሕቶ ቀሪቡ ዝተዋህቦም መልሲ ‘ሓንሳብ ካብ ትግራይ እንተወጺእና ሰራዊት ብልጽግና ንሓደ ሰሙን ኣብ ትግራይ ክምክቱ ኣይክእሉን እዮም፡ እንተ ወጺእና ድማ ትግራይ ናብ ወያነ ንገድፋ ኣለና ማለት እዩ እዚ ድማ ትንሳኤ ወያነ ከከትል እዩ ስለዚ ሰራዊት ብልጽግና ክሳብ ዝድልድሉ ክንጸንሕ ኢና እዩ ኔሩ መልሶም’ ክብል ሓቢሩ። ኤርትራ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብልጽግና መዓስ ነብሱ ክኢሉ ትግራይ ክርከባ ከምዝኽእል ከምዘይትፈልት ኣብ ሓጺር ግዜ ትወጽእ ኣይትመስል ክብል ድማ የብርህ።

ዶክተር ሙሉጌታ ከምቲ ናይ ኮሶቮ ኣብ ባይታ ምክትታል ዝገብር ኣካል ከምዘድሊ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ታንክታት ስለ ዘይብሎም ካብ ኢማራት ዓረብ ዝግበረሎም ዝነበረ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ደው ከምዝበለ፥ ሕጂ’ውን ሓይልታት ህውሓት መጥቃዕቲ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣብ ዝሓለፈ 2 ሰሙን ኣብ ዕዳጋ ዓርቢ ዝተባህለ ሓያል መጥቃዕቲ ኣካይዶም ከምዝነበሩ፥ ምሩካት ክቕልቡ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ማዕርግ ዘለዎም ክምለሱ ዘይደልዩ ገዲፍካ መብዛሕትኦም ነጻ ከምዝገድፍዎም ይሕብር።

ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወት ኣብ መወዳእታ ምስ ዓለም ተራኽቦ ሓንቲ ንእሽቶ ካብ ምልሻ ዝገዝኣ ራድዮ ከምዘላቶ ሓደ ሓደ እዋን ባትሪ ይስእነላኳ እንተኾነ ዜና ዓለም ብኣኣ ከምዝከታተል ይገልጽ።

ዝርርብ ዶክተር ሙሉጌታ ገብሪሂወትን ፕሮፌሰር ኣሌክስ ደ ዋልን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ፋውዴሽን ሰላም ዓለም’ World Peace Foundation ክቐረብ እንከሎ እቲ ትካል ኣብ ሰላም፡ ፍትሕን ጸጥታን ብምትኳር ናይ መሪሕነት ትምህርትቲ ዝህብን ምርምር ዘካይድን እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ነበር ኣቶ ደብረጼዮን ገብረሚካኤል ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣብ ዝለኣኾ ብፈይስቡክ ዝተዘርግሐ መልእኽቲ ህወሓት ኣብ ዝተናውሐ ናይ መኸተ ቃልሲ ተጸሚዱ ከምዘሎ ገሊጹ።

ንሱ ኢትዮጵያ ንግዚኡ ኣብዚ ኲናት እዚ ዝነዓለ ኢድ ነሲኣ ከምዘላ ንነዊሕ ዘይጸንሕ ምኳኑ ሓቢሩ፡ ኣብ ትግራይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስርቂ፡ በደል ሰብኣዊ መስል ብሰፊሑ ክካየድ ከምዘሎ ብተወሳኺ ከሲሱ።

ንመልእኽቲ ደብረጼን ብዝምልከት ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ዝኾነት ቢሌን ድዩምን፡ መራሒ ሓይሊ ዕማም ሓድሽ መንግስቲ ትግራይ ሬድዋን ሑሴንን መልሲ ክህቡ ተሓቲቶም ነጺጎሞ ኣለዉ።

ክቡራት ኣንበብቲ ኣብ ትግራይ ነጻ ኣገልግሎት ዜናን ሓበሬታን ብዘይምህላዉ ብምኽልካሉን ብኩሉ ወገናት ዝውሃብ ሓበሬታ ክተረጋግጾ ኣጸጋሚ እዩ። ኣብ ትግራይ ሰራዊት ኤርትራ ኣትዮም እኳ ዝበሃል እንተኾነ ከምኡ’ውን ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ክወጹ ተሓቲቱ እንተሎ ዛጊት ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበ ኣሉታዊ ወይ እወታዊ መግለጹ የለን። ደብረጼን ሂብዎም ዝበሃል ናይ ድምጺ መልእኽቲ’ውን እቲ ድሚጺ ናቱ ይመስል’ኳ እንተኾነ ብነጻ ኣካል ብክኢላታት ዘይተረጋገጸ ከምዝኾነ ክንሕብር ንፈቱ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles