back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ኣስታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተበቲኖም ከምዘለው ARRA ኣፍሊጡ

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝነበሩ ኣስታት ሓምሳ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣስታት 15 ሽሕ ዝኾኑ ካብ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ መዓስከራት ሃዲሞም ኣብ ፎቆዶ ተበቲኖም ከምዘለዉ ትካል ምምሕዳር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ARRA ሓቢሩ።

ዘይመንግስታዊ ትካል ARRA ብቀዳም 6 ለካቲት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ኣርባዕተ ሽሕ ዝኾኑ ብሓገዝ ሰራዊት ናይ’ታ ሃገር፡ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወስዱን እቶም ዝተረፉ ኣስታት 15ሽሕ ስደተኛታት ከኣ ኣብ መላእ ክልል ትግራይን እታ ሃገርን ተበቲኖም ከምዘለዉ ኣፍልጡ።
ብተወሳኺ፡ ካብቶም ኣብ ክልል ትግራይ ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ሰብዓ ምእታዊት ዝርከቡለን መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ኣጎልግሎት ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ARRA ኣብቲ ዘውጸኦ መግለጺ ኣስፊሩ ይርከብ። ካልኦት መሻረኽቲ ትካላት ዓለም-ለኸ ‘ውን ኣጎልጉሎት ንምሃብ ኣብ ምጅማር ከምዘለው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣግልግሎት ጥዕና ኣብ ክልቲኡ መዓስከር ከምዝጀመረን፡ ቀረባት ማይ ኣብ መስርሕ ከምዘሎ ARRA ጠቂሱ።
መዓከራት ሽመልባን ሕጻጽን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ሓሓሊፉ ዝካየድ ኲናት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሐን ከምዘይከኣለን፡ እቶም ኣብዘን መዓስከራት ዝነበሩ ስደተኛታት ፋሕ ከምዝበሉን ሰቲት ካብ ክልል ትግራይ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ኣብዝሓለፈ ሳምንታት ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ኣብ ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ሰደተኛታት፡ ናብ ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ከምዝኣተዉ ኣብ ዜና ጸብጽቢናዮ ምንባርና ይዝከር።
ዘይመንግስታዊ ትካል ARRA ብተወሳኺ፡ ብመሰረት መዐቀኒ ድኮና ሰፈር ስደተኛታት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሽመልባ ካብ ዶብ ኣብ ቅቡል ርሕቀት ከምዘይነበረት ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት መዐቀኒ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መዓስከር ስደተኛታት ካብ ዶብ ሓምሳ ኪሎ ሜተር ርሒቁ ክዱከን ከምዝግባእ፡ እንተኾነ ግን ሽመልባ ትሕቲ ዕስራ ኪሎ ሜተር ካብ ዶብ ርሒቃ ከምዝነበረት ይሕብር።
መዓስከር ሕጻጽ’ውን ከም ሕጽረት ማይ፡ ሕማም ዓሶን ዘይምቹእ ኩነታት ኣየርን ዝኣመሰሉ ናይገዛእ ርእሱ ጸገማት ከምዝነበሮን፡ እዚ ድማ ነቶም ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ረዲኤትን ኣጸጋሚ ኮይኑ ምጽንሑን ARRA ሓቢሩ። በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንእስታት 12 ሽሕ ካብዞም ኣብ ሕጻጽ ዝነበሩ ስደተኛታት ካብ መዓስከር ወጻኢ መንበሪ ፍቃድ ተወሃብዎም ከምዝጸነሐን ይኹን እምበር ብሰንኪ ድኻማት ምምሕዳርን ለበዳን ኮሮናን እቲ መስርሕ ተዓናቂፉ ከምዝጸንሐን ARRA ኣይሓበአን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles