back to top
ሰኑይ 24 ለካቲት, 2025

ሰኣን ኮፍ ኢልካ ምዝታይ ዘጋጠመ፡ ገዚፍ ክሳራ ዝ’ዘበን!!

“ጸላኢ ካብ ርሑቅ ኣይመጽእን ኢዩ” ዝበሃል ብሂል ሓቂ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ቀንዲ መጥፋእትን መብረስትን ሃገርና ንሕና ባዕልና ኢና። ንሕና ኣብ ዝኸድና ኬድና ከም ህዝቢ ንኽንከብር፡ ብመንነትና ንኽንሕበን ዘኽእለና ህላውነት ሃገርና እዩ። ሃገርና እዩ ክብረትና “ሰብ ኣብ ዓዱ፡ እኽሊ ኣብ ዓውዱ” ብዘይከውን ኣይተመሰለን። ሃገር ድምር ፍጻመታት ናይ ጉዑዞኣ እያ። ገለ ዘሐብኑ ገለ ድማ ዘሕንኹ ፍጻሜታት በብእዋኑ ተእንግድ ኢያ። ገለን ከዕቢ ህርድግ ገለን ከጉድል እቃለስ፡ ገለን ከዕሪ፡ ገለን ከበላሹ። ልክዕ ከምቲ ወዲ-ሰብ ነዛ ዓለም ብንስነት ጀሚሩ ብንእስነት ዘይዛዝማ፡ ተፈጥሮ ዘንቀሎም ይኹኑ ሰብ ዝሰርሖም ክስተታት ወቅቶም ሓሊዪም ይሓልፉን ይቕረፉን እዮም። ብመንጽር ሃገራት ኣብ እንጥምቶ፡ ዝተፈላለየ መድረኽ፡ ብድሆታትን ሽግርን ሰጊረን ኣብ ጽቡቅ ደረጃ ምዕባለ ዝበረኻ ሃገራት፡ ብናይ ዜጋታተን ተወፋይነትን ኣወንታዊ ተበጉሶታትን እየን። ድምር ውጽኢት ኣበርክቶ ዜጋታት ድማ ንዘይበሊ ዝመስል ዝነበረ ሽግር ከጽሕይኦ ተራእየን እየን።

እዚ እዘን ሃገራት ዝሰገረኦ መድረኻት ብብዙሕ ብድሆታት ዝተኸበ ምንባሩ ታሪኽ ዘመስክሮ ሓቂ ክኸውን ከሎ፡ ናብ ምቕራፍ ሽግረን ክወስደን ዝኽኣለ ግን፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ብስልጡን ኣገባብ ምዝታይ፡ ምብትታን ንምፍዋስ፡ ንብዝሑነት ኣተሓሳስባኻ ብንጹር ንምልላይ፡ ንብዝሑነት ኣተሓሳስባኻ ከም ጸጋ ተቐቢልካ ናብ ሓባራዊ ረብሓኻ ተውዕለሉ መዳይ ሃሰው ንምባል እዩ፡ ዜጋታተን ዘለዎም ፍልልያት ከም ሃብሪ ደኣ እምበር፡ ፍልልይ ሓጥያት ዝኾነሉ ኣገባብ ዘይምኽታለንን፡ ንካላኦት ግድን ከም ናተይ ሕሰቡ ወይ’ውን ኣብ ሓደ ሓሳብ ንርዓም፡ ዝብል ጨፍላቒ ኣተሓሳስባ ብምውጋድን፡ ንሓባራዊ ረብሓታትካ ኣለሊኻ፡ ሓቢርካ ትጓዓዘሉ መንገዲ ሃሰው ብምባልን እዩ።

ወዲ ሰብ ወለዲ ይኹን፡ ሃገር መሪጹ ዘይውለድ ብሙኻኑ፡ ኣነ’ውን ብምርጫይ ኣይኮንኩን ኤርትራዊት ኮይነ ተወሊደ፡ ከምቲ ኩሉ ሕብረተሰብ ዓለም ነናቱ መበቆል ዘለዎ፡ ኣነ ድማ ናይ ኤርትራ መበቆል ዘለዋ ሰብ ኮይነ ክውለድ ክኢለ።
ቅድሚ ምውላድካ ምርጫ ተዝህሉ ኩሉ ሰብ ካብ ሽግር ዘለዎ ክውለድ ኣይምመረጸን። እንተኾነ ብኣንጻር ናይዚ እዛ ሒጂ ንርእያ ዘለና ዓለም ማንካ ወርቂ ወይ ሽግር ተቀሪፉሉ ዝጸንሐ ዘይኮነስ፡ ወለዶታት በቢኣበርክትኦም፡ ብዝዓየይዎ እዩ ናብ ዝሓሸን ዝበለጸን መድረኽ በጺሓ ንርእያ ዘለና። ንመበቆሎም ኣይከዓብዎን፡ ንሃገራውነቶም ኣይደርበይዎን፡ ኡኳ ደኣ ጠሚሩ ሒዙ ንካዓዩ ብሓበን ሓጊዝዎም። ኣነውን ብኤርትራውነተይ ይሕበን፡ ነዛ ብዕጫ እምበር ብምርጫ ዘይተወለድናላ፡ ናይ ኩልና ሃገር፡ ኣምሳያ ጥምረታን ክብረታን ዓቂብና፡ ብስኒትን ብምርድዳእን ንሰፍራ፡ ንጥፍኣት እዚ ህዝብን ክብርታቱን ‘ዛ መሬትን ዝነቅል ዓገብ እንበልና ናብ ዝሓሸ መድረኽ ከነደይባ ዝግባእ እዩ።

ብዝተፈላለያ ብሄራትን ሃይማኖታትን ዝቆመት ሃገር ኤርትራ ጥራሕ ኣይኮነትን፡ ከም ሓደ ዘይቀዱ ዕጫ፡ ሕማቅ ነገር ዝረኣየሉ ምኽንያት፡ ዘይቁሩዑይ ኣረኣእያ እዩ። እዞም ብዕጫ ኣብ ዝባን ‘ዛ መሬት ዝተፈጠርና ሕብረተሰብ፡ ኣብ ሓድሕድና ዘሎ ፍልልይ ከም ጸጋ ተቐቢልና ብስኒት ክነብር እንተ ዘይክኢልና፡ ዕጫና ዕጫ ብዙሓት ንፍልልያቶም ናብ ኣወንታዊ ሓይሊ ክልውጡ ዘይከኣሉ ህዝቢ ኬንና ክንተርፍ ይክኣል እዩ። ኣብዚ ማሕበራዊ መራኸብያታት ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ርግእ ኢልና እንተ ተዓዚብናዮ፡ ዝተወሰኑ ውልቀ ሰባት፡ ንሓድሕድና ዘየቃዱ ዛዕባታት ሃሰው ኢሎም ብምርካብ ብምስናዕን፡ ኣብ ልብና ክተኽልዎ ህርዲግ ዝብሉ ዘለዉ፡ ድሮ ኣብ ልቢ ገለ ግሩሃት የሕዋት ኣትዩ ይርከብ። ክጥጥዕ ንርእዮ ዘለና ዘይምኽንያታዊ ክቱር ጽልኢ፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ምስ ኣብ ባይታ ከመይ ይኸውን ዝብል ክትግምቶ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኮይኑ፡ ኣብ ዝያዳ ሰዓብነትና ድማ ነዞም ሰብ እከይ ዝያዳ ክተባብዑ ገቢርዎም ይርከብ። ኣኮሎጉዘታይ ክጽረፍ ከሎ ሓማሴናይ ደስ ዝብሎ፡ ሰረወታይ ክጽረፍ ከሎ ኣኮሎጉዘታይ ዝሕጎስ፡ ሓማሴናይ ክጽረፍ ከሎ ሰረወታይ ደስ ዝብሎ፡ጋሽባርካ ክጽረፍ ከሎ ሰንሒት ክሕጎስ ከሎ፡ ወይ ኮታስ ማንም ኤርትራዊ ክግፋዕ ወይ ክጽረፍ ከሎ ዝሕጎስ፡ ኣስላምይ ክጽረፍ ከሎ ክስታናይ ደስ ዝብሎ፡ ክስታናይ ክጽረፍ ከሎ ኣስላማይ ዝሕጎስ እንተ ኮይኑ፡ ካብዚ ዝዓቢ ሃገራዊ ዕንወት የለን። እዚ እንስስሳታት ዉን ዘይገብርዎ፡ ንገዛኻ ብገዛእ የእዳውካ ኣፍሪስካ ግዳይ ኣራዊት ሙዃን ማለት እዩ።

ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ፡ ካበይ ነቒሉ ናበይ ከም ዝወስደና ንዝሓስብ የእምሮ ዘለዎ ሰብ ርዱእ ኢዩ። ግዳያት ናይዚ ኣጥሪናዮ ዘለና ሓደገኛ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ዝኾና ሃገራት፡ ከም ኣብነት ክጥቀሳ ዝኽእላ ብዙሓት እየን። ገለ ካብአን፡ በታ ሓንቲ ሃይማኖትን ቋንቋን እትዉንን ሶማል ጀሚርካ፡ ደቡብ ሱዳን፡ የመን፡ ሶርያ፡ ኢራቕ፡ ሩዋንዳ፡ ኢቲዮጵያ፡ ሊብያ… ወዘተ ከም ኣብነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ሎሚ ኣብ ሞንጎ እዚ ህዝቢ መርዚ ምንዛሕ ኮነ ኢሎም ከም ስርሖ ዝተታሓሕዝዎ ደቂ ሃገርን ጸላእቲ እዛ ሃገርን ቁጽሮም ብቀሊል ዝግመት ኣይኮነን።

ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ፈታዊ ሃገሩን ህዝቡን ዝኾንካ መንእሰይ እስኪ ርግእ ኢልካ ሕሰብ። በትርን ልሳንን ‘ቶም ንጥፍኣትካ ዘንቀዱ ሰብ እከይ ግብሪ ኣይትኹን። መርወዪ ውልቃዊ ጽልኢ ናይቶም ንገረብ ብሓኽላ ክጉንድቡ ህርዲግ ዝብሉ፡ ነንሕድሕድካ ከባልዑኻ ዝጽዕቱ ሰብ እከይ ተልእኾ ኣይትኹን፡፡ መኻዕበቲ ሃብቲ ስነ ጥበባዉያንን ወነንቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣይትኹን። ንስኻ እንተዓበኻስ ንሃገርካ ክንደይ ዓቢ ጸጋን ባርኾትን እዩ። ከምቲ ሓደ ኣብዚ ማሕበራዊ ሜድያ ጠቂስዎ ዝራእኽዎ “እቲ ዝዓበየ ንሃገርካ እትገብረላ፡ ንገዛእ ርእስኻ ምምሃር እዩ” ዝብል ጥቅሲ፡ ንስኻ መንእሰይ ነፍሲ ወከፍ ድምር ሓሳብ፡ ትምህርቲ፡ ተበግሶ፡ ዕዮ፡ ኣበርክቶ እያ ኤርትራ ከምዝተነድቀ መንደቅ ማእሚእካ ክተነበረላ ዘኽእለካ።

መን ኢዩ ብድፍኢት ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገርን ሓልዮት ህዝብን ዝቃለስ፡ ከምኡ’ውን መን እዩ ብድፍኢት ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገርን ሓልዮት ህዝብን ዝድግፍ ብንጹር ፈሊኻ ኣለልዮም። ኣብ ይሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ሃገርካ፡ ወዲ ሃገርካ ፍጹም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘየእትዉ፡ ተቓወምቲ ይኹን ደገፍቲ ብንጹር ክነለልዮም ይግበኣና ኢዩ። ብሽም ደለይቲ ፍትሒ፡ ወይ ደገፍቲ እንዳበሉ፡ ባራት፡ ቻነላት፡ ማሕበራትን መራኸቢታትን.. ወዘተ. ፈጢሮም ዘፋጥጡኻ ከም ኣስተዉዕል። ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ ብዘየገድስ፡ ብመትከል ረብሓ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ፡ ቅድምን ልዕልን ፖለቲካዊ መርገጺታቱ ዝሰርዕ፡ ሰላምን ብልጽግናን ህዝብና ዝናፍቅ፡ መን’ዩ ኢልና ብጸቢብ ሚሐ ክንመምዮ ይግበኣና እዩ። ንኸዚኦም ዝበሉ ኤርትራውያን ንስለ ረብሓናን፡ ረብሓ ሃገርን ክንብል ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ምግባር ግዴታና እዩ። እንተዘይኮይኑ ኣምሓሩ፡ ኦሮሞ ይኹኑ ተጋሩ ቀዳምነት ረብሓ ሃገሮም ክሰርዑ ግድን እዩ። ብዋጋ ኤርትራ ረብሓታቶም ከውሕሱ ምፍታኖም ድማ ክገርመና የብሉን። ታሪኻ ናይዚ ዝሓለፈ 70 ዓመታት እንተ ገንጺልና፡ መን ንመን ከም ዝሓሊ፡ ብንጹር ከነንብቦ ንኽእል ኢና። ንግዚያዊ ረብሓ ኢሉ ሰይጣን ዉን ፈታዊና መሲሉ ክቐርበና ይኽእል ኢዩ።

ባሕሪ ኤርትራ እናዘከረ ዘየንባሁቕ ሕብረተሰብ ኮነ ጥርኑፍ ውዱብ ኣብ ኢትዮጵያ የለን። እቲ ኣፍደገ ባሕሪ ክውንንሉ ዘይካኣሉ እንኮ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብበትሪ ክስዕሩ ዘይምኽኣሎም፡ ከምኡ’ዉን፡ ንሶም ሃገር እንከለዎም ሃገር እናማቶም ስለ ዝበሃጉን፡ ኤርትራዊ ግን ነታ ዝርካባ ርስቱ፡ የሕሊፉ ንበላዕቲ ክህብ ፍቓደኛ ስለዘይነበረ እዩ። እቲ ጽንዓትን ትብዓትን ከምኡ ዉን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብቲ ሃገር ዘይብሉ ሃገር ዝደለየ ስለዝዛይድ ኢዩ።
ሎሚ ግን እቲ ዘለካ ፍቅሪ ሃገርካ ክግንዘብዎ ስለዝኸኣሉ፡ ንገለ ኣሕዋትካ ብኸብዶም ጠቢሮም፡ ነታ በትሪ ኣቐሚጦም፡ ተዃሉ ክንሶም ቆርበት በጊዕ ተጎልቢቦም፡ ናይ ሓሶት ፍቕሪ ተቐኒቶም ብስም ሃይማኖት፡ ዓሌት፡ ኣውራጃ፡ ክፈላልዩኻ ህርዲግ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ ኣይንታሃመል።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
914ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles