back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ፡ ሰራዊታ ካብ ትግራይ ከተውጽእ ኣመሪካ ብቀጥታ ከምዝሓተተት ሓቢራ

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ን መንግስቲ ኤርትራ ብዝቀልጠፈ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ብቅጥታ ከምዝሓበሮ ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ  ገልጹ።  መንግስቲ ኣመሪካ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርታራን ካልኦት ተዋሳእትን ኣብቲ ዝተካየደ  ኲናት፡ ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት  እኹል ናይ ሓበሬታ ጭብቲ ከምዘልዎ ኣፍልጡ። ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጸታዊ ዓመጽ፡ ዝምታ ንብረተን መጥቅዕቲ ኣብ ለዕሊ ስደተኛታትን ብ ነጻ ኣካል ተጸኒዑ፡ ንገበርቱ ካኣ ተሓተቲ ክኾኑ ንጽውዕ ይብል ብተወሳኺ።

መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ዝኾነ ዓይነት መልሲ ክሳብ ሕጂ ከምዘየል እዩ ዝፍለጥ። ይኹን ደኣ አምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከም ኣምባሳደራት ኣመሪካ ኣብ ኤትዮጲያ ኮይኖም ዘገልገሉ፡ ኣብ ቁሉዕ ደብዳቢኦም ንዘጸውዕዎ ተመሳሳሊ ጻውዒት፡ ጸለመን ብትሕዝቶኡ ቅንዕና ዘይብሉ ዕላምኡ ካኣ ምህሳይ እዩ ክብል መልሲ ኣብ ምሕበራዊ ገጻት ትዊተር ሂቡ ነይሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles