back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኮኒኖም::

ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብትሪ ብምኹናን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣብቲ ሎሚ 04 ለካቲት ኣብ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም:: እቶም ኣስታት 500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ: ዓመጽ: መቕተልቲ: ሰብ ሰርሖ ጥሜት ድማ ከብቅዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ው.ሕ.ሃ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ኣስሚሮም::

ናይ ጥርዓን ፌርማታት ብምእካብ ኣብ ዘስምዕዎ ጭርሖታት: “ምስ ህዝቢ ትግራይ ደም ንለጋገስ ደኣ እንበር ደም ኣይንፋሰስን”: “ደም ዝተኽለልና ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ኣይውክለናን እዩ”: “ሰራዊት ኤርትራ ይውጻእ”: “ው.ሕ.ሃ ስጉምቲ ይውሰድ”: “ህጹጽ ረዲኤት ይገበር”: “ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ይገበረሎም”ን ካልእን ዝብሉ ኔሮም:: ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ: ምስ ህዝቢ ትግራይ ተጎራቢትና ብሰላምን ፍቕርን ክንነብር ደኣ እንበር ናይ ወለዶታት ዝሰግር ጽልኢ: ቅርሕንትን ደም ምፍሳስን ኣይንደልን ኢሎም::

ኣዳላዊት ኮሚቴ ዝተዳለወ ወግዓዊ ዕላማታት እዚ ዝስዕብ እዩ:- 1/ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ 2/ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ወተሃደራዊ ምትእትታው ምግባሩ ንኹንን 3/ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ንዘጥፈኦ ህይወት ንብረት ቁጠባ ሰብኣዊ ግህሰትን ምዕናው ናይ እምነት ቦታታትን ቅርስታትን ኣጥቢቅና ንኹንን:: 4/ኣብ ትግራይ ንዝነበሩ ኣስታት 100,000 ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን ተቀቲሎም ተጨውዮም ገና ሃለዋቶም ስለ ዘየለ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ንጽውዕ! 5/ጥሜት ከም ኲናት መሳርሒ ተጠቂሞም ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝፍጽምዎ ዘለው ናይ ምሕራም መደብ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ገይሩ ህጹጽ ረዲኤት ክገብር ንጽውዕ!!! ካብዚ ዕላማታት ሓሊፊ ብሰልፈኛታት ዝተዋህበ መግለጺታት ይኹን ጭርሖታት ንበሃሊኡ ከምዝምልከትን ብሃሊኡ ከምዝሕተተሉን ኣዳላዊት ኮሚቴ ትሕብር::

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles