back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መገዲ ዓድና ዝፈልጥ? መገዲ ዓድና ጠፊኡኒ!

“መገዲ ዓድና ሰደኒ ሰደኒ

ርሑቕ ከም ቀረባ ጌርካ ኣርእየኒ

ጫፉ ኣብጽሓኒ፡”

እዛ ማይ ቤት፡ ናይ ሕደማ (ግጥሚ)፡ ካብታ ኣብ 2009 ብ ገጣሚ በየነ ሃይለማርያም ተሓዲማ፡ ብድምጻዊ ተመስገን ያሬድ ዝተዘየመት “መገዲ ዓድና” ዘርእስታ ድንቂ ስራሕ ዝወሰድክዎ እዩ። መገዲ ዓደይ ጠፊኡኒ ደጋጊመ ነዚ ደርፊ ብምስማዕ መገዲ ዓደይ ክደልዮ ፈቲነ፡ እንተኾነ ኣይሰለጠንን፡፡ ብተመሳሳሊ “መገዲ ዓድና፡ ብኸመይ ንኸዶ?” ዝብል ኣብ 2016 ብፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ዝተቃንዐ ፈስቲቫል ዝቀረበ ጽሑፍ፡  ድሕሪ 5 ዓመት ዘኪረ ዳግም ነቢበ መገዲ ዓደይ ግን፡  ግብ ዝበለ ጸልማት ኮይኑኒ ኣይረኸብክዎን። በመሰረቱ መገዲ ዓድና ሒዘ ድየ ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮይ ስለዝተላዕለ መገዲ ዓድና ሒዘዮ እንተለኹ ክፍትሽ ጀሚረ ኣለኹ እሞ ንኺድ በሉ መገዲ ዓድና ንርኣዮ።

“ኣይትመጹን ዲኹም፡ እንታይ ኢኹም ዶንጊኹም?”
ኣብ 2019 ብመገዲ መሰንጀር ደዊለ ዘዕልሎ ዝነበርኩ ዓርከይ ካብ ኤርትራ ዝሰንደወለይ ሕቶ ነበረት።
ሕቶ እዚ ዓርከይ ክርድኣኒ ስለዘይክኣለ፡ ናበይ? ክብል ተወከስክዎ።
“ናብ’ዚ፥ ዶንጊኹምና እኮ ከይትኣልይዎ ነዚ መንግስቲ”
“ኩሉ ሰብ እጽበየኩም እዩ ዘሎ”

ጋን ተሰሪሐ ዝምልሰሉ ጠፊኡኒ ዝመጸለይ ዘረባ ደርበኹሉ፡ ንሕና ደኣ ኣበይ ክንመጽእ፡ መገዲ ዓድና ጠፊእና እዩ፡ ንሕና ንዓኹም ኢና ንጽበ ክትኣልይዎ።

“ንሕና ደኣ ከመይ ኢልና ክንኣልዮ፡ ንስኹም ኢኹም ኩሉ ዘለኩም ኩሉ ፈሊጥኩሞ ዘለኹም” ዓርከይ ደጊሙ ብዛዕባ ዘለዎ ትጽቢት ወስ በለለይ።

ድሕሪ እዚ ምስ ዓርከይ ዝገበርክዎ ዝርርብ ደጋጊመ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይጽበ ከምዘሎን፡ ስለምንታይ ይጽበይን ዝብሉ፡ ደጋጊመ ክሓስብ ተገዲደ።
ስለምንታይ እዞም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ንናጠር፡ ስደትና ነግፍሕ፡ ንወልድ፡ ስድራና ናብራ ህይወት ንገብር ዘለና፡ ክንመጾን ከነድሕኖን ተጸብዩ?

ዛንታ (Narration)
ብዛዕባ ናጽነት ኬድካ ይምጻእ ዝብል ዛንታ፡ ከመይ ንርእዮን፡ ካበይ ኬድካዩ ዝምጻእ ኢሉ ዝሓስቦን ህዝቢ ኤርትራ ክለዓል ዘለዎ ኩርናዕ እዩ። ዝበዝሕ ምስ ናጽነት ተመንዚዕና ተገፊፍና ኢልና እነልዕሎም ሕቶታት ይኹን ዕላል፡ ካብ ገለ ሰባት ዝወሃበና ግብረመልሲ  “እሞ ኬድኩም ኣምጽእዋ፡ ቀደም ከይዶም’ዮም ኣምጺኦማ” ዝብል መልሲ ንሰምዕ ኢና። ካበይ ከይዶም ኣምጺኦማ? ኣበይ ከይዶም ረኺቦማ? ብኸመይ’ከ ኣምጺኦማ? ብማኪና፡ ብነፋሪት፡ ብእግሮም፡ ብመጽዓኛ ትሓስብ። ንምዃኑ ዝመጸት ናጽነት ትጭበጥ፡ ትድህሰስ ድያ? ንእግረመገዲኻ ዝለዓለካ ሕቶ እዩ።
ምልስ ኢልና ናብ ድሕሪት ምስ እንጥምት፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ናጽነት ንምድላይ ካብ ገዝኡ፡ ዓዱ፡ ገዛውቱን ቤት ትምህርቱን ዝወፈረ ሳሕል ናብ ዝበሃል ዓለምዩ ዝኸይድ ኔሩ፡ እዚ ዛንታ እዚ ድማዩ ንህዝቢ ናጽነት ኬድካ ትምጻእ ዝብል ዛንታ ኣብ ኣእምርኡ ክህልዎ ዝኸኣለ ዝመስል።

እዚ ከም መበገሲ ክኾነኒ ዘልዓልክዎ ካብ ኣዘናትዋ ዝነቅል ርድኢት እዩ ዝብል፡ ናብ ቀንዲ ሓሳበይ ክወስደኒ መገዲ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእኽካባት፡ ማሕበራት፡ ውድባትን ንጥፈታትን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ከመይ የዘንትዎ ዝብል ክንርእዮ ዝግባእ እዩ። ምስዚ ኣብ ኤርትራ ዝነበር ዓርከይ ወሲኸ ብዛዕባ እዚ ዛንታ ወይ ብመገዲ ሜድያታት ኣቢሉ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ኣዘናትዋ፡ ብሓቂ እንታይ ይመስል፡ ብልክዕ’ከ ነቲ ኣዘናትዋ ክገብሮ ዝኽእልን ኣብ ባይታ ሓቀኛ ምስሉ ድዩ ዘንጸባርቅ ዘሎ፡ ዝብል፡ ክምለስ ዝግብኦ ሕቶ ነፍሲ ወከፈ ሰብ ክኸውን ይግባእ። “ንቃለስ ኣሎና፡ ቀሪብና ንህግደፍ ክንኣልዮ” ካልኦት ምስዚ ዝመሳሰሉ ዘረባታት ኣብ እዝኒ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰብ ክበጽሕ ከሎ ዝፈጥሮ ስእሊ፡ “እዞም ንቃለስ ኣሎና፡ ቀሪብና ንህግደፍ ክንኣልዮ” ዝብሉ ኣዘንተውቲ ይመጽዎ ከምዘለዉን፡ ልክዕ ከምቶ ብሳሕል ኣቢሎም ኣስመራ ዝኣተዉ ተጋደልቲ ከምዝጽበን ይስኣለካ። ለከ ሓቁ እዩ እዚ ዓርከይ ምምጻእና ክጽበ፡ ኣይ ባዕልና እዚ ደምበ ተቋውሞ’ዶ ኣይኮናን፡ ቀሪብና ኣሎናዮ፡ ዓለናዮ፡ ተወደብና ተሰራሕና ተኣከብና ዝብሉ ዛንታት ክንፍንወሎም ንውዕል ዘለና።

እዚ ካብ ነዊሕ ክኸይድ ዝጸንሐ ኣዘናትዋ ብመሰረቱ ንኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዘይመጣጠንን፡ ሓሶትን ከም ምዃኑ መጠን ንህዝቢ ኤርትራ፡ ድሮ ተጸባዪ ክገብሮ በቂዑ እዩ ክንብል ንደፍር፡፡ “ዘረባ ጥራሕ እዮም ኣይመጹን” ዝብሉ ዘረባታት ደጋጊሞም ዝስምዑ ኮይኖም ድሮ ባዕልና ዝፈጠርናሎም ናይ ተጸበይቲ መንፈስ ምዃኑ ገምጋም ተጌሩ ክእረም ዝግብኦ ኣዘናትዋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ስደት ተሞኩሮይ ይትረፍ ነዚ ስደት ጠቅሊልካ ንገለ ግዝያት ክትፍለዮ፡ ንውሑዳት መዓልታት ኡኳ ካብ ስራሕ ከተብኩር ኣዝዩ ዝኸብድ ክንሱን፡ ፈጺምና እውን ከነብኩርን ክንእለን ዘይንኽእልን ክንስና፡ መጻእናኩም፡ ዓለናልኩም ኢልና፡ ኣፎም ማይ ንመልኦን፡ ኣብ ተስፋን ኣብ ሕልምን ክነብሩ ንገብሮም ዘለና ከመይ ኢሉ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ጎሲና ነዘንትዎ ኣሎና ምዃና ግንዛቤ ዘድልዮ እዩ። እዞም ንሰርሖም፡ ነካይዶም ብመንጽር ግዜ እንተርኢናዮም፡ ኣብ ትርፊ ግዜና ነካይዶም ምዃና ካብ ምንታይ ዝነቅል እዩ እንተኢልና፡ ብመሰረት ክውንነትን ሓቅን ህይወትና ሰረት ዝገበረ እዩ።

እዚ ኣዘናትዋ እዚ ሓዲግካ ደኣ እንታይ እዩ ክገብር ዝከኣል ዝብል ሕቶ ከምዝለዓል ከም ፉሉጥ ወሲደ ገለ ክብል።

1. እዚ ኣዘናትዋ እዚ ተቀይሩ ሰፊሕ ጎስጓስ ክገብረሉን፡ ድሮ ህዝቢ ኤርትራ እታ ካብዚ ደገ ዝጽበያ ዘሎ ሓርነት ባዕሉ ኣምጺኡ ዓድኹም እተዉ ኢሉ ክዕድመና ዘለዎ ምዃኑ ምንጋርና ምጓስጓስን።

2. ካብዚ ደገ ዘሎ ጸጋታት ብጽኑዕ ኣለሊኻ፡ ናብ ውሽጢ ሃገር ክወሃቡ ዝኽእሉ ሓገዛት እዝን እትን እዮም ዝብል ብዝርዝር ደጋጊምካ ምሕባሮምን ምዝንታዎምን።

ሀ.  ነጻ ንምዝርራብ ዘኽእል ናጽነት ኣብዚ ደገ ብምህላዉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም፡ ብሰፊሕ ክዘራረቡልን ክመያየጡሉን ዘይክኣሉ ናይ መደባት ወረቃቅቲ ይኹን ሓሳባት ኣብሲልካ ከምዝምለሶም ምግባር።

ለ. ባጀት፡ ስንቂ፡ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነግራትን ምቅራብ ክኣትዉሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ብምንዳይን።

3. ማዕከን ሓበሬታት ድሮ ህዝቢ ኤርትራ ክለምመደንን ካብቲ ጌና ዘይበለየሉ ምስ ፖሎቲካዊ መልክዕ ብምትሓሓዝ ዝሰርሑ ኣሰራርሓ ብምውጻእ፡ ብሰነ-ምግባርን ኣሰራርሓን ዝእለያ ክኾና ምሕዳስን።
ፖሎቲካዊ ኣጀንዳታት ኣብዘን ማዕከናት ዜናን ሓበሬታን ከም መሸጢ እምበር እተን ማዕከናት ዜና ባዕለን ፖሎቲካዊ ኣጀንዳታት ካብ ዝሸጣ ትካላት ምዃን ዝድሕናሉ ኣገባብ ምንዳይ።

4. ኩሎም ዝግበሩ ውዳቤታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ነቂሎም ነዚ ናይ ደገ ዝሓቁፉ ክግበሩ ምርዳእን ምጉስጓስን።

ኪኖ እዚ ሓቂ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ናብቲ ክንከዶ ዘይንኽእል ተጸባዪ ጌርና ምልማሱ ተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣካል ናይዚ ዝሓለፈ ዛንታ ዓሰርተ ዓመት ምድጋሙ እዩ።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ኣብ ዓዱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ዝቃለሰሉ ውዳቤታት ክተክል ደኣ እምበር ኣብ ተስፋን ኣብ ሕልምን ዘንብር ኣዘናትዋ ተጠቂምና ተጸባዪ ኣብ ሰማይ ዘየሎ ደበና ክንገብሮ ዘይቁኑዕን፡ ዘይሓላፍነታውን እዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles