back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ዛላንበሳን ሰንዓፈን ህዝቢ ናይ ሃለኽቲ ዕዳጋ ይገብር ኣሎ 

ህዝቢ ከባቢታት ሰንዓፈን ዛላንበሳን ኣብ ሃለኽቲ ዘተኮረ ዕዳጋ ይገብሩ ከምዘለዉ፡ ሰቲት ካብቲ ቦታ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የብርህ።

እቲ ኣብ  ሃለኽቲ መግብን መሰረታዊ ጠለባትን ዝግበር ዘሎ ዕዳጋ፡ ህዝቢ ከባቢታት ከተማ ሰንዓፈ ኣብ ዛላንበሳ ከይዱ ይሽምት ከምዘሎ ሓቢሮም። 

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ህዝቢ ከባቢታት ኢሮብን ጉሎሙኻዳን፡ ኣብ ከባቢታት ሰንዓፈ ብምምጻእ ኣስቤዛን፡ ናይ ጥሑና ኣጎልጉሎትን ይገብሩ ምንባሮም ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፡ ድሕሪ ኣዋጅ ካልኣይ ምዕጻው ኮሮና፡ እቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ኣጎልጉሎት ጠጠው ከምዝበለ ኣፍሊጦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዙሓት ተወለድቲ እዘን ዓድታት ምስ ኣብ ደገ ዝርከብ ቤተሰቦምን መቅርቦምን ኣብቲ ከባቢታት ሰንዓፈ ዝርከብ ናይ ተሌፎን መስመር ብምጥቃም ይራኸቡ ምህላዎም ይፍለጥ። 

ሓደ ካብ ምንጭታት ሰቲት “ኲናት ካብዚ ከባቢ ኣዝዩ ርሒቁ ኣሎ፡ ገለ ገለ ኣስቤዛ ኣብ ዛላንበሳ ኬድና ገዚእና ንምለስ ኣሎና፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ከባቢታት ኢሮብን ዛላንበሳን ከጥሕኑ ተሌፎን ክድውሉን ይመጹ ኔሮም፡ ሒጂ በዚ ናይ ኢሮብ ዘሎ መገዲ ተዓጽዩ ብወገን ዛላንበሳ ግን ክፉት ኣሎ” ክብል ንሰቲት ሓቢሩ። 

ኣብ ትግራይ ብዝተፈጠረ ኲናት፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ዓድታት ኤርትራ ከምዝጸለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ እንዳ ዳሽም ሓንቲ ሰለስተ ዝኣባላታ ስድራ ብደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝመቱ ሰቲት ሓቢራ ምንባራ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles