back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ምንቅስቃስ ብላክ ላይፍስ ማተር (Black Lives Matter ) ስልማት ሰብኣዊ መሰል ሽወደን ተዓዊቱ

ምንቅስቃስ ብላክ ላይፍስ ማተር (Black Lives Matter) ኣብ ሽወደን፡ ስልማት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተዓወተ፡ መረበብ ሓበሬታ ቢቢሲ እንግሊዘኛ ኣፍሊጡ።

ኣዋሃሃድቲ እቲ ስልማት፡ ምንቅስቃስ ብላክ ላይፍስ ማተር ፡ ሰለማዊ ህዝባዊ ኣብያ፡ ኣንጻር ጭካነ ናይ ፖሊስ ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዘርኣዮ ስራሕ ክብሪ ከምዝግብኦ ገሊጾም።
ኣስታት ዕስራ ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ኣሜርካን፡ ሚልዮን ዝኣክል ኣብ መላእ ዓለምን ከምዝተሳተፍዎ ይፍለጥ።

ናይ ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ዶላር (100,000 $) ዝሓዘ ምኻኑ ዝተገለጸ ስልማት ሰብኣዊ መሰል ሽወደን፡ ኣብ 1986 ዝተቀንጸለ ፍሉጥ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰልን፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሽወደንን ዝነበረ ኦለፍ ፓልም ንዝኽሩ ምኻኑ ይሕበር።
ኣብ 2013 ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ብላክ ላይፍስ ማተር፡ ዓለምለኻዊ ጭርሖ ብሙዃን ኣብ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ኣብያታትን፡ ቃልሲ ኣንጻር ዓሌትነት ብሰፊሕ ህዝቢ ክጥቀመሉ ከምዝጸንሐ ይሕበር። ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሞት ጆርጅ ፍሎይድን፡ ብርያና ተይሎርን ዝተለዓለ ህዝባዊ ኣብያ፡ ሰፊሕ ዝርግሐን ዕቤትን ከምዝነበሮ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles