back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኒጀር ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታት ከምዝርከቡ ተሓቢሩ

እዞም ቆልዓ ሰበይትን፣ስንክልናን ሕዱር ሕማምን ዘለዎም ፣ ዝርከብዎም ልዕሊ 150 ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ክኾኑ እንከለው፣ህልው ኩነታት እታ ሃገር ውሑስን ዝተረጋግአን ብዘይምዃኑ መስርሕ ምስግጋሮም ናብ ሳልሳይ ሃገር  ክሳብ ዝትግበር፣ ብምትሕብባር ወኪል ዩኤን .ኤች.ሲኣር  ኣብ ኒጀር ንኽጸንሑ ዝተወስዱ እዮም።እንተኾነ እዚ ሰለስተ ወርሒ፣ እንተነውሐ ከኣ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ከምዝወስድ ዝተነግሮም መስርሕ ምስግጋር፣ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብምንውሑ ፣ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት መነባብሮ የሕልፉ ከምዘለውን ገሊጾም።እዞም መግደራ ሰሃራን ሊብያ ሓሊፎም ኣብ ኒጀር ዝኣተው  ኤርትራውያን፣ኣብ ፈለማ ኣብ ከተማ እኳ እንተነበሩ፣ኣብዚ እዋን እዚ ግን  ኣስታት 40 ኪ.ሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ በረኻ ኣብ ቴንዳ ይነብሩ ምህላዎምን፣ዋላ እኳ ብዉሐድ መጠን ይኹን ንመዓልቲ ሰለስተ ግዜ ከምዝምገቡ፣ እንተኾነ ንዉሑድ ሰዓታት ጥራይ ዝፍቀድ ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን እንዳረኸቡ ከምዝነብሩን  ገሊጾም።

እዞም ኣብ ከተማ ንያኒ ኒጀር ኣብ ዝርከብ ወኪል ትካል ዩ ኤን ኤች ሲኣር  ብተደጋጋሚ መስርሕ ቃለምርመራ( Interview) ከምዝተገብረሎም ዝገለጹ ኤርትራውያን ኣብቲ ፈለማ፣ብዙሓት ካብኣቶም ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዱድ ዕስክርና ኣምሊጦም ዝመጹ ብምዃኖም ወተሃደራት ኔርኩም ኢኹም ብዝብል ሰበብ መስርሕ ምስግጋሮም ከምዝተደናጎየን፣ዝያዳ ን ሲቪላውያን ሰባት እቲ ዕድል ይወሃብ ከምዝነበረን ድሕሪ ምግላጾም፣ቅድሚ ሓደ ዓመትን  ኣርባዕተ ወርሕን ኣቢሉ ይኸውን ግን ፍታሕ ተጌሩሎም ኦርኒኮም ናብ ሃገረ ጀርመን ከምዝተሰደን ፣ጀርመን እውን ከምዝተቐበለቶምን ሓቢሮም። እንተኾነ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ መስርሕ ምስግጋሮም ከምዘይተተግበረን፣ብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ይሓልፉ ብምህላዎም፣ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይኹን ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለም ንጉዳዮም ኣቓልቦ ምእንቲ ክገብረሉ፣ኩሉ  ግዱስ ኤርትራዊ ድምጺ ክኾኖም ጸዊዖም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዝነብሩሉ ቦታ ብተደጋጋሚ ባርዕ ሓዊ ከምዘጋጥምን፣ስግኣቶም እንዳበረኸ ብምኻዱ ቴንዳታቶም ገዲፎም ኣብ ደገ ክሓድሩ ከምዝጀመሩን ጠቒሶም ፣ብፍላይ ቅድሚ ወርሒ ፣ብዕለት 25/12 ፣ ኣብ ሓደ ቴንዳ ለይቲ ብድቁሶም እንከለው ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ፣ እቶም አብኡ ዝነበሩ ሰለስተ ስደተኛታት፣ከቢድ ሓደጋ  ከምዝበጽሖምን፣ሓደ  ሽዑ ንሽዑ ሂወቱ ክሓልፍ እንከሎ እቶም ክልተ ዋላ እኳ ናብ ሕክምና እንተበጽሑ፣ንሶም እውን ከምዝሞቱን ሓቢሮም፣እንተኾነ እቲ ብሓላፍነት እቶም ስደተኛታት ዝሕተት ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ወኪል ዩ.ኤን. ኤች.ሲኣር ጠንቂ እዚ ተደጋጋሚ ዘጋጥም ባርዕ ንምፍላጥ ይኹን፣ፍታሕ ንምምጻእ ዝኾነ ተበግሶ ከምዘይገበረን፣እቲ ሬሳ ናይቶም ዝሞቱ ክልተ ሰባትን ንኽቀብርዎ ብክልተ ሰቢት ተዓጂቡ መጽዩ ከምዝተዋህቦምን ጠቒሶም።

ኣብ መወዳእታ፣ነቶም ብሕዱር ሕማምን ዝተፈላለየ ምኽንያታትን፣ናይ ምምጻእ ዓቕሚ ዘይረኸቡ፣  ኣብቲ መዓስከር ተሪፎም ንዘለው ብጾቶም ወኪሎም ድምጾም ንምስማዕ፣ ኣብቲ ኣብ ከተማ ንያኒ ዝርከብ ትካል ዩ.ኤን.ኤች.ሲኣር ከምዝተኣከቡን፣ ብዘይ ኣፍልጦ ክወጹ ስለዘይፍቀደሎም፣ዝተፈላለየ ምኽንያታት ተጠቂሞም ከምዝወጹን ዝገለጹ እቶም ኤርትራውያን፣ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ኣካል ኣቓልቦ ከምዘይሃቦም ዘሎ ብምግላጽ፣ድሮ ብ ኣስሓይታን ጥምየትን ይዳኸሙ እኳ እንተሃለው፣ካብቲ ጽንኩር ሂወት ንምግልጋል፣መልሲ ካብ ዝምልከቶ ኣካል መልሲ ክሳብ ዝረኽቡ ብዘለዎም ሓይሊ ድምጾምን ድምጺ ብጾቶምን ምስማዕ ክቕጽሉ ምዃኖም ገሊጾም።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles