[dropcap]ኲ[/dropcap]ናት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢታት ብዘይካቲ ወተሃደር ምስ ወተሃደር ወይድማ ዕጡቕ ምስ ዕጡቕ ዝካየድ ብከበድቲ ኣጽዋርን ነፈርትን ካልእ ወተሃደራዊ መሳርያታትን ዝካየድ ግጭት፥ ዝምታ፡ ምዕናው ንብረትን ናይ ምምዕባል ኢንዱስትርን፡ ምዕማጽ ደቀ-ኣንስትዮን ህዝቢ ከምዝጠሚ ምግባርን’ውን ኮነ ኢልካ ህዝቢ ንምድሃል ካብ ዝግበሩ ሜላታት ኲናት እዮም።
ብፍላይ ሓደ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ህዝቢ ደገፍ ከምዘለዎ እንተደኣ ተፈሊጡ ነቲ ዕጡቕን እቲ ዕጡቕ ዝቆጻፈሮ ከቢቢታት ከርዲንካ ሰብ ከምዝጠሚ ዝግበር ሰብ ሰርሖ ዓጸቦ ከም ናይ ኲናት ሜላ ምጥቃም ኣብ ብዙሕ ከባቢታ ዝርአ እዩ።
ኣቐዲሙ ዝጀመረን ክሳብ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝቕጽል ዘሎ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣርባዕተ ሰብ ሰርሖም ናይ ዓጸቦ ኲናት እቲ ሰለስተ ኣብ ኣፍሪቃ ማለት ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ናይጀርያን ሶማልያን እቲ ራብዓይ ድማ ኣብ የመን እዩ ዝርከብ ዘሎ።
ኣብ 2011 ካብ ሱዳን ተፈልያ ናጽነታ ዝኣወጀት ደቡብ ሱዳን ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚማ፡ እቲ ግጭት ፕረሲደንት ሳልቫ ኬር ምክትሉ ዝነበር ሪክ ማጫር ዕልዋ ከካይደለይ ወጢኑ ብምባል ኣብ 2013 ካብ ስልጣን ክእለ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ድማ ጀሚሩ። ድሒሩ ድማ ናብ ዓለታዊ ግጭት ዲንካን ኑርን ልሒሙ።
ኣብ ሰሜን ሰቡብ ሱዳን እትርከብ ብዩኒቲ ወይድማ ብብሉ ናይል እትፍለጥ ክፍለ ሃገር ንሪክ ማጫር ዝድግፉ ዓሌት ኑሪ ተቖጻፊሮማ፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ መብዛሕትኡን ንዝተናውሐን ኣብታ ሃገር እዩ ተኻይድ፥ ከም ውጽኢቱ ድማ ህዝቢ ተመዛቢሉ፡ ኣዝርእቲ ባዲሙ፡ ከብትን ጤለበጊዕን ጸኒተን ህዝቢ ድማ ክጠሚ ጀሚሩ።
ዝበዝሕ እዋን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ከባቢ ህዝቢ ስለ ዝመዛበልን ዕንወት ስለዘጋጥምን ካብ ቤት ንብረቱ ዝተመዛበለ ህዝቢ ተጸባይ ሰብኣዊ ረዲኤ እዩ ዝኸውን፥ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ግን መንግስቲ ዝዕደል ሰብኣዊ ረዲኤት መግቢ ናብ ዕጡቓት ከምርሕእ እዩ ብዝብል ምኽኒት ዝኾነ ሓገዝ ናብ ሓያሎ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ክፍለሃገር ዩኒቲ ከይኣቱ ከልኪሉ።
ከምውጽኢቱ ኣብቲ ዕጡቓት ዝቆጻጸርዎ ዝነብሩ ዝነበሩ 100 ሽሕ ሰባት ኣብ ቀጥታዊ ዓጸቦ ብሓፈሻ ድማ ኣስታት 5 ሚልዮን ሰባት ድማ ሕደጋ ጥሜት ኣንጸላልይዎም። ዓሌታዊ ምጽናት ተኻይዱ።
ብሰንኪ ናይ ስልጣን ህርፋን ፕረዚደንት ሳልቫ ኬርን ምክትሉ ዝነበር ሪክ ማጫር ሂወት 400 ሽሕ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ክቕዘፉ እንከለዉ፡ ኣስታት 7 ሚልዮን ማለት ክልተ ካብ ሰለስተ ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ተመዛቢሉ ካብዚኦም እቶም 6 ሚልዮን ህጹጽ ረድኤት መግቢ ዝጽበዩ ኣህዛብ ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጺማ ዝነበረት ጋዜጤኛ PBS ጄን ፈርጉሰን ክሳብ ሎሚ ስምብራት ዝገደፈ ክትርእዮ ዘስካሕክሕ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ዓጸቦን ዕንወትን ከምዘጋጠመ ተዘንቱ።
ብነዳዲ ሃብታም ዝኮነት ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ናጽነታ 380 ሽሕ በርሚል ነዳዲ ተፍሪ ብምንባራ ናብ ብልጽግና ክትሰጋገር ትጽቡት’ኳ እንተነበረ ብሰንኪ ግጭትን ዝንቡዕ ምሕደራን ብልሽውናን፤ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ጭውያ፡ ስርቂ፡ ዝምታ ከብቲን ካልእ ገበናትን ተሓሙሳ ተሓሚሳ እያ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሰብ ኮነ ኢሉ ዘተኣታተዎ ዓጸቦ ኣጋጢምዋ።
ደቡብ ሱዳን ካብ ሃገረ ሱዳን ክትፍለ ረፈረንደም ድሕሪ ምክያዳን ህዝባ 98.83 ‘እወ ንናጽነት’ ድሕሪ ምድማጹን እያ ብ9 ሓምለ 2011 ናጽነታ ኣዊጃ። እንተኾነ እታ ሃገር ክልተ ዓመት ከይጸንሐት እያ ኣብ ሕድሕዳዊ ግጭት ተሸሚማ።
ኣብ ናይጀርያ’ውን ተመሳሳሊ ታሪኽ እዩ ዘሎ፡ እስላማዊ ዕጡቕ ቦኮ ሓራም ንሓያሎ ክፋላይ ቦኖ ዝተባህለት ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ትርከብ ክፍለሃገር እዩ ዝቆጻጸር፡ ቦኮ ሓራም ብጃምላዊ ቅትለት፡ ጭውያ ሰባት ብፍላይ ድማ ተመሃሮ፡ ርእሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ እዩ ዝፍለጥ። ብሰንኪ እዚ መጥቃዕትታ’ዚ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለዉ ዓሰርተታት ኣማኢት ተቀቲሎም።
እዚ ድማ ውጽኢት ሕርሻ እቲ ዞባ ከምዝዓኑ ጌርዎ፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ መንግስቲ ናይጀርያ ቦኮ ሓራም ኣብ ዝቆፋፈርዎ ከባቢታት ዝኾነ ይኹን መንግቢ ወይ ናይ መግቢ ሓገዝ ከይኣቱ ከልኪሉ። ከምውጽኢቱ ሚልዮናት ናብ ዓጸቦ ከምርሑ እንከለዉ ሰባት ከርሶም ከዐንግሉ ኣብ ሕድሕዳዊ ምዝምማት መግቢ ከብትን ጤለ በጊዕን ክዋፈሩ ኣገዲዱ።
ሳልሰይቲ ብሰብ ሰርሖ ዓጸቦ ትጥቃዕ ዘላ ሶማልያ እያ፡ ጉጅለ ዕጡቕ ኣልሸባብ ብውሕዱ 10 ሚእታዊት እታ ሃገር ይቆጻጸር፥ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ መንግስቲ ዘይኮነ ናይ መግቢ ሰብኣዊ ረዲኤት ከይግበር ዝኽልክል ዕጡቓት ኣልሸባብ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ይጨውዩን ይቐትሉን ብምኳኖም ኣብቲ ንሶም ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ረዲኤት ምብጻሕ ሓደገኛ ይገብሮ።
ኣብ ሶማል ብሰንኪ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ምምዝባላትን ናይ መግቢ ሕጽረት ከምዝህሉ ክገብር እንከሎ፡ እታ ሃገር ንተደጋጋሚ ደርቂ ምቅልዓ ንሓያሎ ሰባት ብዘይ መግቢ ኣትሪፍዎም እዩ፥ ኣልሸባብ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ዓጸቦ ዝርከቡ’ኳ እንተኾኑ ንሰራሕተኛታት ረዲኤት ሓደገኛ ብምኳኑ ግን ዝድለ ናይ መግቢ ሓገዝ ክበጽሖም ኣይከኣለን ዘሎ።
እቲ ካልእ ሰብ ዘኸተሎ ዓጸቦ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ግን ከኣ ኣብ ጎረቤት ሃገረ የመን እዩ፡ ኣብ 2014 ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቕ ምንቅስቓስ ሑቲን ኲናት ሓድሕድ ተወሊዑ፡ ዕጥቓት ሑቲ ድማ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮማ፥ ሑቲ ካብ ኢራን ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከምዝተገብረሎም ክንገር እንከሎ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ዝተፈላላየ ኣገራት ብፍላይ ድማ ኢማራት ዝሓቖፈ ልፍንቲ ድማ ንመንግስቲ ይሕግዝ ኣሎ።
ልፍንቲ ስዑዲ ዓረብ ንዕጡቓት ሑቲ ንምድኻምን ምንቅስቓሳቱ ንምዕጋትን ጽርግያታት፡ ቢንቶታትን ወደባትን ብነፈርቲ ከጥቅዕ እንከሎ ንሰራዊት መንግስቲ ድማ ቀጥታዊ ሓገዝ ይገብር።
ልፍንቲ ስዑዲ ዓረብ ብተወሳኺ ዕጡቓት ሑቲ ካብ ኢራን ተወሳኺ ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ከይግበረሎም ብዝብል ምኽኒት ናብ የመን ብፍላይ ድማ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝንቀሳቐሱሉ ዓበይቲ ይኹና ንኣሽቱ መራኽብ ከይኣትዋ ናይ ማሪታይም እገዳ ጌሩ ኣሎ፥ በዚ ድማ 85 ሚእታዊት ናብ የመን ዝኣቱ መግቢ ከይኣቱ ብምዕጋቱ ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎ ይርከብ።
የመን ብቅሽጣዊ ኲናት እያ ትሕመስ ዘላ፡ እንተኾነ ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ነንሕድሕደን መን ጽልዋ ገበረ ዝቀናቐና ስዑድያን ኢራንን ኢደን ብምእታወን እቲ ግጭት ዝያዳ ክጋደድ እንከሎ እቲ ናይ ማሪታይም እገዳ ድማ ዓሰርተታት ኣሽሓት የመናውያን ብጥምየት ይቐዝፍ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ድማ ናይ መግቢ መኣዛ ጉድለት (ማልኒውትሪሽን) የኸትል ኣሎ።
ብሰንክዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሰባት ንፖለቲካዊን ወተሃደራውን ዕላምኦም ኮነ ኢሎም ከምዝስዕብ ዝገበርዎ ዓጸቦታት ኣስታት 20 ሚልዮን ሰባት ኣብ ጥሜትን ሓደጋ ዓጸቦን ይርከቡ ኣለዉ።
ሕጂ ድማ ብሰንኪ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ማእከላይ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ እገዳን ካብ ክልተ ክሳብ 4 ሚልዮን ተጋሩ ህጹጽ ናይ ረዲኤት ሓገዝ ከምዘድልዮም ይግለጽ ኣሎ፡ መንግስቲ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናብ ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ክግበር እንተዘየፍቂሱ ድማ ህዝቢ ክልል ትግራይ ናብ ዝተጋደደ ጥሜትን ዓጸቦን ከምርሕ ምኳኑ ማዕከን ዜና ቫይስ ሓቢራ።
ከምዝፍለጥ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ብምዝርግሑ ሓያሎ ሃገራት ጽኑዕ ናይ ካብን ናብን ምንቅስቓስ ሕጋጋት ኣተኣታትየን እየን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተደጋጋሚ ወራር ኣንበጣን ዕልቕልቕ ማይን ተራእዩ፡ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝያዳ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ መተነ ሰፊሕ ናይ ኣንበጣ ወራር ኣጋጢሙን ኣብ ልዕሊ ዘራእቲ ጉድኣት ከውርድን ጸኒሑ።
ክልል ትግራይ ብፍላይ ድማ ሓረስቶት ኣብ ምክልኻል ኣንበጣን ካብ ባልዕ ዝንተረፈ ኣእካል ኣም ምዕጻድን እንሃለወ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ሰራዊት ምክልኻል ፈደረላዊ ማእከላይ መንግስትን ኲናት ተወሊዑ።
ኣብቲ ብቀዳማይ ሚኒስትረት ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር’ ተባሂሉ ክካየድ ዝቐነየ ዂናት ክልል ትግራይ ብ360 ዲግሪ ተኸቢባ ናይ መሬትን ኣየርን መጓዓዝያ ከምዝዕጾ ተጌሩ፡ ኤሌክትሲቲ ተሌፎን ኢንተርነትን ተቛሪጹ፡ ኣገልግሎት ባንክን ምትልላፍ ገንዘብን ተኸልኪሉ፡ ማሕበራት ረዲኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ጋዜጠኛታት ከይኣትዉ ተኸልኪሎም እናሃለዉ እዩ ተኻይዱ። እቲ ካብ ዝጅመር ኣስታት 70 መዓልታት ሓሊፉ፥ ተዛዚሙ ካብ ዝበሃል ድማ ድማ 40 መዓልቲ ኣቑጺሩ ክንሱ ኣብ ልዕሊ’ታ ክልል ዘሎ እገዳ ዛጊት ኣይተላዕለን ዘሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ መሪሕነት ሕወሓት ብውሑዳት ሰባት ዝምራሕ ‘ጁንታ’ እዩ ንዓዓቶም ናብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ድማ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነታ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ብዝብልኳ እንተጀመረ ኣብቲ ካብ ትጽቢት ወጻኢ ኮይኑ ንልዕሊ ወርሒ ዝቐጸለን ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ክሳብ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ግን ህዝቢ ብጃምላ ዝቐጽዐን ዝዓጸወን እዩ ኮይኑ ዘሎ።
ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀይሕ መስቀልን ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኲናትን ምዕጻውን ድሮ ሕጽረት መድሃኒን መግብን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ሚልዮናት ድማ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ገሊጸን ኣለዋ።
ዛጊት ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽቲ ትግራይ ከምዝተመዛበሉ ክግመት እንከሎ ካብቲ ዓሰርተታት ዓሽሓት ድማ ቤት ብንረቶም ራሕሪሖም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብ ልዕል’ዚ ኣብ ልዕሊ ንብረት ሰላማውያን ሰባትን ፋብሪካታትን ዝምታ፡ ‘ጃምላዊ ቅትለትን በደል ኣብ ልዕሉ ሰብኣውነትን’ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ይካየድ ኣሎ። ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ‘ኣብ ኲናት ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ ዘይተርፍ እዩ ክትከላኸሎ’ውን ኣይትኽእልን ኢኻ’ ‘ሕጂ ኲናት ከምዝተዛዘመ ድሕሪ ምእዋጁ ሰራዊት መንግስቲ ክሳብ ሎሚ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ይቕጽል ኣሎ’ ክብል ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ፍታሕ እንተዘይተረኺብሉ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት መጠነ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ከኸትል ከምዝኾነ ይግለጽ ኣሎ
[divider style=”solid” top=”20″ bottom=”20″]
(ካብ ራድዮ ኤረና ዝተወስደት)