3 ሕዳር 2020 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ን ሰልፊ ዴሞክራት ወኪሉ ዝተወዳደረ ጆ ባይደን፡ ሎሚ ሮቡዕ 20 ጥሪ 2021 ሰዓት 12:00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ቃለ መሓላ ፈጺሙ። ጆ ባይደን የማናይ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ናይ 127 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ካብ ስድርኡ ዝወረሶ መጽሓፍ ቁዱስ ብምንባር፡ ስድራቤቱ፡ መራሕቲ ክልቲኤን ሰልፍታት፡ ዕዱማትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብ ሓለቃ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመርካ ጆን ሮበርትስ ብምምራሕ ነቲ ቃለ መሓላ ፈጺምዎ። ወዲ 78 ዓመት በጺሑ ዘሎ ጆ ባይደን፡ ብ 1972 ን ግዝኣት ደለወር (Delaware) ብ ምውካል ኣብ 29 ዕድሚኡ፡ እቲ ዝናኣሰ ብ ዕድመ ኣባል ላዕላዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ(Senate) ኮይኑ ዝተመርጸ ምንባሩ ይፍለጥ። ከም ኣባልን ኣቦ ወንበርን ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኮሚቴ፡ ኣብ ላዕላዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ(Senate) ኮይኑን ኣገልጊሉ። ኣብ 1988ን 2008ን ሕጹይ ተወዳዳሪ ን ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ ሰልፊ ዴሞክራት ተወዳዲሩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ ፈተነ ዋላ እኳ እንተዘይተዓወተ፡ ኣብ 2008 ብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ከም ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ከገልግል ተመሪጹን፡ ን ሾመንተ ዓመታት ኣገልጊሉን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019 ከም ሕጹይ ተወዳዳሪ ን ፕረዚደንት ንምዃን ኣብ ሰልፊ ዴሞክራት ን ሳልሳይ ግዜ ብምውድዳር፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ዝተኻየደ ናይ ተወዳደርቲ ምርጫ ስለ ዝተዓወተ፡ ነቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተኻየደ ምምራጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ንሰልፊ ዴምክራት ሒዙ ተዓወተ። ኣብቲ ዝተገብረ ፕረዝደንታዊ ምርጫ፡ ልዕሊ 81 ሚሊዮን ብዝሒ ድምጺ ህዝብን፡ 306 ኤሌክቶራል ኮለጅን ብምርካብ ክዕወት ክኢሉ። ጆ ባይደን ዝላዓለ ድምጺ ህዝብን፡ ኤሌክቶራል ኮለጅን፡ ከምኡ’ውን ኩሉ መስርሕ ሕጋውነት፡ ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ ይጽደቅ ደኣምበር፡ ፕረዚደንተ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ እቲ ምርጫ ምጥፍፋእ ነይሩዎ፤ ድምጺ ተሰሪቁ’ዩ ብምባል፡ ብዙሕ ዕንቅፋታትን፡ ፈተነታትን ምሕሳም፡ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ንከይትግበር ክገብር ከም ዝጸነሐ ይፍለጥ። ከም ውጽኢት ሓደገኛ ጎስጓስ ዶናልድ ትራምፕ ብ ሽዱሽተ ጥሪ ንሰለማዊ ሰልፊ ዝተኣኻኸቡ ናዕበኛታት፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኣመሪካ ደፊኦም ብምእታው፡ ህይወት 4 ዜጋታትን ክሓልፍ ከሎ፡ ዓቢ ዕንወት ከምዘውረዱ ጸብጻባት ይሕብሩ። መቀጸልታ ምትዕንቃፍን ዘይምእማን ውጽኢት ምርጫን፡ ብ ወግዒ ጆ ባይደን ዕውት ሙኻኑ ከምዘይገልጸን ኣብ ሎሚ ዝተገብረ ጽንብል ቃለ ማሕላን ምጅማር ስራሕ ሓድሽ መንግስቲ ከም ዘይተሳተፈን፡ ን ልዕሊ 152 ዓመት ዝነበረ ልምድን ባህልን ወግዕዊ ጽንብል ምስግጋር ስልጣን ከምዘይተሳተፎ ይፍለጥ። ነቲ ዝተገብረ ናዕቢ ንምውጋዝ፡ ን ዶናልድ ትራምፕ ብዙሕ ወቐሳታት ክበጽሖን ካብ ስልጣኑ ክወረድ ድማ ጸቕጢ ተገይሩሉን፡፡ ድሕሪ እቲ ናዕቢ ስዒቦም ዝመጹ ምዕባለታት፡ ዶናልድ ትራምፕ ናዕቢ ኣብ ምልዕዓል ተራ ኔርዎን ደጊሙ እቲ ሽግር ንከይስዕብ፡ ናይ ትዊተርን ፈይስቡክን ማሕበራዊ ገጻት ክዕጾ ከሎ፡ ወከልቲ ህዝቢ ባይቶ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምርጫ ኣብ ዝነበረ ግዝያት ንዝፈጸሞ በደላት፡ ንናዕቢ ዝቅስቁሱን ዘተባብዑን ተግባራት ንክምርመርን ካብ ስልጣኑ ክወርድን ብብዙሕ ድምጺ ኣጽዲቁ ይርከብ፡ ብተወሳኺ ላዕላዋይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካ(Senate) ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ድምጺ ምቑጻር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ይመርመር’ዶ ኣይመርመር ዝብል ክገብር ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣሜርካ ኣብ ዘበን ስልጣን ትራምፕ ብዙሓት ነገራት ናብ ዘይጽቡቅ ኣንፈት ከምዘመርሑ ክጥቀስ ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ንግዲ ዝነበሩ ውዑላት ምስ ካልእ ክፋል ዓለም፡ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ስለዝኣለዮ ኣብ ቁጠባ ኣሜርካ ርኡይ ጽልዋ ከምዘምጽአ ብዙሓት ክኢላታት እቲ ዓውዲ ዝጠቅስዎዩ። ድሕሪ ክስተት እቲ ንዓለም ናብ ደውታ ምንቅስቃስን፡ ቁሉውላው ቁጠባዊ መድረኽን፡ ዘእተወ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ኣሜርካ ብሰፊሕ ካብ ዝተጠቅዓ ሃገራት ብምዃና፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ምክልኻልን ምግታእን እዚ ሕማም ሸለልትነት ብምርኣዩን፡ ኣብ መጀምርትኡ ክውሰድ ዝግብኦ ተበጉሶታት ብዘይምውሳዱን ኣብዚ ሽግር ከምዝወደቀት ይውቀስ።
መበል ኣርብዓን ሽዱሽተን ፕረዚደንት ኣሜርካ ኮይኑ ቃለ-መሓላ ዝፈጸመ ጆ ባይደን፡ ምክትሉ ናይ ወጻኢ ሃገራት መበቆል ዘለዋ ካሚላ ሃሪስ ኮይና ከተገልግል ምኻና ይፍለጥ። ካሚላ ሃሪስ ናይ መጀመርታ ካብ ካልእ መበቆል ዘለዋን፡ ምክትል ፕረዚደንት ጓል ኣንስተይትን ብምዃን ስማ ኣብ ታሪኽ ኣሜርካ ክትስንድ በቂዓ ትርከብ።