ኣብ መቐለ ዝርከባ ትካላት ዋኒን፡ ሕጽረት ተንቀሳቓሲ ገንዘብ (ብር) ኣብ ዕዳጋ ንጥፈታተን ብስሩዕ ንከካይዳ ይጽገማ ከምዘለዋ ተሓቢሩ። መጠን ገንዘብ ተጠቀምቲ ባንኪ ከውጽእዎ ገደብ ከምኡ’ውን ገደብ ኣብ ባንኪ ዝግበር ትውጊት፡ ን ነጋዶን ዓደግትን ኣብ መሰርሕ ምሻጥን ምዕዳግን ቀንዲ ዓንቀፍቲ ን ንጥፈታት ንግዲ ኣብ መቐለ ሙዃኑ፡ ግዝያዊ ከንቲባ መቀለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ን ብቛንቛ እንግሊዝ እትሕተም “ዘሪፖርተር” (The Reporter) ጋዜጣ ገሊጹ።
ኣቶ ኣታኽልቲ፡ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ዕጽዋት ከምዘለዋን፡ ስሩዕ ንጥፈታት ንግዲ ካብ ምግባር ቦዂረን ከምዘለዋን፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ኣብ ደውታ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሽሕ ‘ኳ ኣብ መቐለ ዝርከባ ባንክታት ሳምንታት ድሕሪ ኲናት ምጅማሩ ክፉታት እንተ ሃለዋ፡ ገደብ ኣብ ልዕሊ ብባንኪ ዝግበር ትውጊት፡ መጠን ጥረ ገንዘብ ኣብ ዑደት ዘሎ ኣብታ ከተማ፡ ምስ ጠለብ ጥረ ገንዝብ ኣዚዩ ውሑድ ሙዃኑ፡ ባንክታት እኹል ብዝሒ ገንዘብ ኣብ ኢደን ዘይምህላው፡ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ክፋላት እታ ከተማ ዝርከባ ባንክታት ብ ሰንኪ ቀረብ ኤለትሪክ ዕጹዋት ብሙዃነን፡ ኣብ መሰርሕ ምሻጥን ምዕዳግን ፡ መዓልታዊ መነባብሮን ነበርቲ እታ ከተማ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ከምዝዝከር፡ ኲናት ብ ሕዳር 4 ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ተጀመረ፡ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ዝረክባ ባንክታት ሙሉእ ብሙሉእ ስርሐን ጠጠው ክብላ ከምዝገበረን፡ ብዘይ ኣገልግሎት ባንክን ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት ቁጠባ ንሳምንታት ኣብ ትግራይ ከምዘይንበረን፡ ኣገልግሎት ባንኪ ኣብ ቀረባ እዋን ከምተጀምረን ይፍለጥ።