ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ከም ንቡር ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተሳዕረ ተወዳዳሪ ስዕረቱ ብምቕባል ንመወዳድርቱ ‘እንኳዕ ሓጎሰካ’ ብምባል ስልጡን ባህሊ እዩ ኔሩ፥ ተወዳዳሪ ፕረሲደንት እንተኔሩ ድማ ነቲ ዝሰዓረ መወዳድርቱ ናብ ‘ዋይት ሃውስ’ ብምዕዳም ናይ ስልጣን ምስግጋር መስርሕ ብወግዒ ይጅምር።
እዚ እቲ ዲሞክራስያዊ ስልጣን ናይ ምስግጋር መስርሕ ክነሱ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ግን ካልእ መገዲ ክወስድ እዩ መሪጹ። ዶናልድ ትራም ‘ምርጫ ምድንጋራት ኔርዎ’፡ ‘ድምጺ ተሰሪቑ’፡ ‘ኣነ ብዓብላሊ ስዒረ’ ብምባል ስዕረት ምቕባል ኣብዩ። ዶናልድ ትራም ይኹን ደገፍቱ ብማዕከናት ዜና ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝገበርዎ ናይ እንብይታ ጎስጓስ ዓሰርተታት ኣሽሓት ክኣምንዎም ክኢሎም እዮም።
ብመሰረት ቅዋም ሕ.መ.ኣመሪካ ብ50 ክፍለሃገራትን ዲስትሪክት ኮሎምብያን ዝጸደቐ ውጺኢት ምርጫ (electoral college) ብ6 ጥሪ 2021 ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብወግዒ ክጸድቕን ብምክትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ክንበብ ኔርዎ። እዚ መስርሕ እናተኻየደ ብደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ባዕሉ እቲ ፕረዚደንት ዝተገብረ ‘Save America’ ዝተሰምየ ሰላማዊ ሰልፊ ናብ ናዕቢ ተቐይሩ ሰልፈኛታት ንህንጻ ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ‘ካፒቶል ሂል’ ከምዝወረረ ይፍለጥ።
‘ካፒቶል ሂል’ ኣብ 1812 እዩ ብወተሃደራት ብሪጣንያ ተወሪሩን ተቓጺሉን ኔሩ፡ ሕጂ ድማ ድሕሪ 209 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ እዩ ብየማናውያ፡ ዓሌታውያን፡ ናይ ጸዓዱ ልዕልነት ዝኣምኑ፡ ብሓሶት ትራምፕን ደገፍቱን ዝተመልኡ፡ ኣብ ውዲት (conspiracy theory) ዝኣምኑ ደገፍቲ ዶናልድ ትራም ዝውረር ዘሎ። እቶም ናዕበኛታት ‘ካፒቶል ሂል’ ኣብ ዝወረሩሉ ሰበ ስልጣን ብምጭዋይን ምቕታልን ንውጽኢት ምርጫ ክቕይሩን ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱን ዕላማ ከምዝነበሮም ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።ደገፍቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራም ፕረዚደንት ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ ጆ ባይደን ቃለ ማሕላ ኣብ ዝፍጽመሉ መዓልቲ ኣብ 50 ክፍለሃገራት ኣመሪካ ብረት ብምዕጣቅ ሰላማዊ ሰልፊ ከካይዱ ወጢኖም ብምህላዎም ጸጥታ እታ ሃገር ኣብ ፈተና ክኣቱ ቀሲቦሞ ኣለዉ።
ድሕርቲ ንህዝቢ ኣመሪካ ይኹን ዓለም ዘሰንበደ ናዕቢ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ሕ.መ.ኣመሪካ ክኽኑንዎ እንከለዉ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ክካየድ ምኳኑ’ኳ እንተገለጸ ሕጂ’ውን ኣብ ምርጫ ምድንጋራት ከምዝነበረ ይገልጽ ብምህላዉ ንጥፈታት ኣመሪካ ናብ ንብር ንምምላስ እጃሙ ኣየበርከተን። ብሰንክ’ዚ ድማ ትዊተር፡ ፈይስቡክን ዩቱብን መራከቡ ብዙሓነን ከይጥቀም ከልኪለነኦ ኣለዋ።
ኣብ ፕረዘደንታዊ ምርጫ ሕ.መ.ኣመሪካ 2020 ዝተዓወተ ጆ ባይደን 20 ጥሪ 2021 ቃለማሕላ ብምግባር ብወግዒ ስርሑ ዝጅምረሉ መዓልቲ እዩ። እንተኾነ ደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ሕጂ’ውን ናዕቢ ከየለዓዕሉ ብምስጋእ ኣስታት 25,000 ወተሃደራት ጸጥታ ንምሕላው ኣብ ‘ካፒቶል ሂል’ ዋሺንግተን ዲሲ ንሓለዋን ጸጥታን ክፍሊ ምክልካል ኣመሪካ ኣዋፊር ይርከብ።
ዲሞክራስያዊ መስርሕ ስልጣን ምስግጋር ኣመሪካ ሰላማው ስሩዕን ክኸውን ዝግበኦ ብሰንኪ ዶናልድ ትራምፕን ደገፍቱን ብወተሃደራትን ፖሊስን ተሓልዩ ክከየድ ተቐሲቡ ኣሎ።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ጆ ባይደን 306 ዶናልድ ትራም ድማ 232 ኤሌክቶራል ኮለጅ ከምዘመዝገቡ ይፍለጥ፡ ነቲ ምርጫ ንክትዕወት ድማ 270 ነጥቢ እዩ ዘድሊ ኔሩ። ድሕሪ ምርጫ ብሙልአን ክፍለ ሃገራት ነቲ ውጽኢት ኣጽዲቐነኦ እየን። ድሑሪ’ውን ባይቶን ወከልቲ ህዝብን ብወግዒ ኣጽዲቖሞ እዮም።